ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽን ብልፅግና ጋህዲ ንምግባርን እቲ ህዝቢ ብምስታፍ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018(ኢዜኣ) ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽን ብልፅግና ጋህዲ ንምግባርን እቲ ህዝቢ ብምስታፍ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፆም።
ዓመታዊ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ዓቕሚ ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ኣብ ዝሃንፁ ርእሰ ጉዳያት እናተውሃበ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ “ብኣመለኻኽታ ናይ መደመር መንግሥቲ፣ዕቤት ዓውድታት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ልዕሊ 2 ሽሕ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልላትን እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ።
ጎና ጎኒ እቲ ዓመታዊ ስልጠና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ስራሕቲ ልምዓት ክላስተር ግብርና ጎብንዮም።



ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ኣብቲ ዑደት ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘዐውቱ ውፅኢታት ርኢና ኢና ኢለን።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ገጠርን ከተማን ለውጢ ዘምፅኡ ስራሕቲ ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ስልጠና እዞም ውፅኢታት ብዝለዓለ ብርኪ ምቕፃል ኣብ ዝከኣለሉ ኣንፈት ተረዳዲእና ኢና ክብላ እውን ፀሪሐን።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው(ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ህዝቢ ብልምዓት ተረባሒ ብምግባር ኩነታት መነባብሮ ንክመሓየሽ ብቆራፅነት ከምዝስራሕ ገሊፆም።
ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ 4 ፕሮጀክትታት ልምዓት ኮሪደር ከምዝተዛዘሙ ብምሕባር፤ ተወሰኽቲ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ካልኦት ከባብታት ንምጅማር ምድላው እናተገበረ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኩሎም ከባብታት ዝምዝገብ ዘሎ ዕቤት ውፅኢት ፖሊሲታትን ኣንፈታትን ፓርቲ ብልፅግና እዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፤ ብልፅግና ብዝለዓለ ብርኪ ንምርግጋፅ እቲ ህዝቢ ብምስታፍ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ሓቢሮም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ፤ እቲ ዝገበርናዮ ዑደት ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
እቲ ስልጠና እውን ተሞኩሮ ልውውጥ ብምግባር ሓባራዊ ኣንፈታት ንምቕማጥ ዕድል ዝሃበ ከምዝኾነ ፀሪሖም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሀሰን ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ዘለዉ ፀጋታት ኣብ ረብሓ ብምውዓል እቲ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምቅልጣፍ ዝግበር ርብርብ ክጠናኸር እዩ።
እቲ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝተባብዑ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ብምግላፅ፤  እቲ ውፅኢት ብዝበለፀ ንምስፋሕ ከምዝስራሕ እውን ኣረጋጊፆም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ ብግደኦም፤ ፀገም ቀረብ ሓረስቶትን ኣርባሕትን ብምፍታሕ ፍርያትን መፍረያይነትን ንክውስኽ ብትኹረት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ዘጋጥሙ ፈተናታት ብሓባር ብምሕላፍ ተረባሕነት እቲ ህዝቢ ዘዕብዩ ዕዉታት ስራሕቲ ንምስላጥ ብትግሃት ክንረባረብ ኢና ክብሉ እውን ተዛሪቦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም