ኢትዮጵያን ሳዑዲ ዐረቢያን ኣብ ዓውዲ ልምዓት ኢንተርፕራይዛትን ጀመርቲ ፈጠርቲ ስራሕን ብምትሕብባር ምስራሕ ዘኽእለን ምሕዝነት ፈጢረን

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 28/2018(ኢዜኣ) ማሕበር መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ኢትዮጵያን በዓል መዚ ማእኸለዎት ኢንተርፕራይዛት(ሞንሻት) ሳዑዲ ዐረቢያን ስምምዕ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ተፈራሪሞም።
በዓል መዚ ማእኸለዎት ኢንተርፕራይዛት(ሞንሻት) ሳዑዲ ዐረቢያ ዘዳለዎ ዓለም ለኸ ፎረም ኢንተርፕረነርሺፕ (BIBAN 2025 forum) ሎሚ ሳልሳይ መዓልቱ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
እቲ ፎረም፤ “መብፅሒ ዕድላት ዓለም”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሪያድ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብቲ ፈሮም ዝሳተፍ ዘሎ ማሕበር መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ኢትዮጵያ ምስ በዓል መዚ ማእኸለዎት ኢንተርፕራይዛት(ሞንሻት) ሳዑዲ ዐረቢያ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ፈጢሩ።
ፕሬዚዳንት ማሕበር መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ኢትዮጵያ  ሳሚያ ኣብዱልቃድርን ዋና መካየዲ ስራሕ ዘፈር ምሕዝነት በዓል መዚ ማእኸለዎት ኢንተርፕራይዛት (ሞንሻት) ሳዑዲ ዐረቢያ ኣብዱልሞህሴን ሳሌም አልሳሌምን እዮም እቲ ስምምዕ ፈሪመምዎ።



ኣብቲ ስነ ስርዓት ስምምዕ፤ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሳዑዲ ዐረቢያ ሙክታር ከድር(ዶ/ር)ን ኣመሓዳሪ በዓል መዚ ኢንተርፕራይዛት ሳዑዲ ዐረቢያ ሳሚ ኢብራሂም አልሁሴይኒን ተረኺቦም።
እቲ ምሕዝነት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ መንጎ ፈጠርቲ ስራሕ ኣፍሪካን ሳዑዲ ዐረቢያን ኣብ ኢኖቬሽን፣ ፍልጠትን ተበፃሕነት ዕዳጋን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ።
ዓለም ለኸ ፎረም ኢንተርፕረነርሺፕ(BIBAN 2025 forum) ፅባሕ ክዛዘም እዩ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም