ኣብ ዓውዲ ስፖርት ውፅኢታዊ ንምዃን ጠንካራ ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ይግባእ-ኣትሌት ሻለቃ ሃይሌ ገብረሥላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዓውዲ ስፖርት ውፅኢታዊ ንምዃን ጠንካራ ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ይግባእ-ኣትሌት ሻለቃ ሃይሌ ገብረሥላሴ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 28/2018(ኢዜኣ) ኣትሌቲክስ ሓዊሱ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ስፖርት ውፅኢታዊ ንምዃን ጠንካራ ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ኣትሌት ሻለቃ ሃይሌ ገብረሥላሴ ገሊፁ።
ኣትሌት ሻለቃ ሃይሌ ገብረሥላሴ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝርከብ ዘሎ ውፅኢት ካብ እዋን ናብ እዋን እናቐነሰ ምምፅኡ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዓውዲ ኣትሌቲክስ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉያ ልዑል ውፅኢት እናተረኸበ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ሕዚ ግና እናቐነሰ ምምፅኡ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንኣትሌቲክስ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ስፖርትታት ስልጠና ተግባርን ንድፈ ሓሳብን ዘይምጥዕዓም ቀንዲ ፀገም እዩ ኢሉ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ስፖርት ብንድፈ ሓሳብ ጥራሕ ምምርሑ ምኽንያት እቲ ምቕናስ ውፅኢት ከምዝኾነ እውን ኣረዲኡ።
ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ኣብ ስፖርት ዝረአ ፀገም ኣሰራርሓ ብምፍታሽ ግቡእ ምላሽ ንምሃብ ብትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፁ።
ኣብቲ ዓውዲ ዝቕንስ ዘሎ ውፅኢት ንምምላስ ኣብ ተግባር ተኮር ስራሕ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ንዕቤት እቲ ስፖርት ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ኣድላይ እዩ ኢሎም።
ከም ሃገር ብቑዓት ስፖርተኛታት ንምፍራይ ካብ ታሕተዋይ ብርኪ ጀሚሩ ስርዓት ስልጠና፣ሕርያን ኣሰራርሓን ብምዝርጋሕ ምስራሕ ይግባእ ክብል እውን ሓቢሩ።