ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኣንጎላ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 28/2018(ኢዜኣ) መበል 7ይ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ካብ 15 ክሳብ 16 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ኣንጎላ ሉዋንዳ ክካየድ እዩ።
እቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት ኣንጎላን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋንን ጆአኦ ሎሬንቾን ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ኣውሮፓ አንቶኒዮ ኮስታን ብሓባር ክመርሕዎ እዮም።
ኣብቲ ጉባኤ፤ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪካ፣መራሕቲ ሃገራት እቲ ሕብረት፣ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ኣውሮፓ ኡርሱላ ቮን ደር ሌይንን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሕብረት ኣውሮፓን፣ጉጅለ ልኡኻት መናእሰይ፣ሲቪክ ማሕበራትን ንግድን ክሳተፉ እዮም።



ምሕዝነት ክልቲኦም ትካላት 25 ዓመታት ኣብ ዘቑፀረሉ እዋን ዝካየድ እዚ ጉባኤ፤ ኢ-ተገማትነት እናዓበየ ኣብ ዝመፀሉ ዓለምን ጂኦፖለቲካዊ ምህዳራት እናተቐየርሉ ኣብ ዘለሉ እዋንን ዝሳለጥ ጉባኤ ከምዝኾነ ሓበሬታ ሕብረት ኣፍሪካ የመላኽት።
መራሕቲ እቶም ትካላት ንኩለ መዳያዊ ምትሕብባር፣ምሕዝነትን ንዝርኣዩ ዘለዉ ፈተናታትን ዝተዋደደ ምላሽ ናይ ምሃብ ሓባራዊ ቆራፅነቶም ከምዝገልፁ ኣፍሊጦም።
ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ዝዝትዩሎም ጉዳያት፤ ምስ ኣጀንዳ 2063፣ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ከምኡ እውን ሓባራዊ ራኢ 2030 ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም እውን ተገሊፁ።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም