ንልዕልና ኢትዮጵያ ዝምጥን ዓብይ ሓይሊ ኣየር እናተሃነፀ እዩ-ሌ/ጄኔራል ይልማ መርዳሳ 

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 27/2018 (ኢዜኣ) ንልዕልና ኢትዮጵያ ዝምጥን ዓብይ ሓይሊ ኣየር እናተሃነፀ እዩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌ/ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።
እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብ ኣከባብራ መበል 90 ዓመት መዓልቲ ምስረታ እቲ ሓይሊ ኣየር ኣመልኪቶም ምስ ነበርቲ ከተማ ቢሾፍቱን ከባቢኡን ዘትዮም።



ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌ/ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ኣብዚ እዋን፤ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ በቢ ዘበኑ ልኣላዊነት ሃገር ኣብ ምኽባር ዘኹርዕ ገድሊ ከምዝፈፀመ ተዛሪቦም።
ሕዚ እውን ንልዕልና ኢትዮጵያ ዝምጥንን ኩርዓት ህዝብና ዝኾነን ትካል እናተሃነፀ እዩ ኢሎም።
"ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምልክት ነፃነትን ሓድነትን" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 90 ዓመት መዓልቲ ምስረታ እቲ ሓይሊ ኣየር ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝኽበር እውን ኣፍሊጦም።
እቲ መዓልቲ ምስረታ ንዕቤትን ህንፀት ምስልን ሃገር፣ትካል ኢሉ እውን ከተማ ቢሾፍቱ ልዑል እጃም ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እታ ከተማ ኣብ ምፅባቕን ሰላማ ኣብ ምሕላውን ነበርቲ ተሳትፎኦም ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ሓቢሮም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም