"ጀፎረ" ምስ ልምዓት ኮሪደር ገጠር ንክተአኣሳሰር ስለዝተገበረ መስሕብ ቱሪዝም እቲ ከባቢ እናዕበዮ እዩ

ወልቂጤ/ጥቅምቲ 27/2018(ኢዜኣ) መሳለጢ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ምንቅስቓስ ማሕበረሰብ ጉራጌ "ጀፎረ"ምስ ልምዓት ኮሪደር ገጠር ክተኣሳስር ስለዝተገበረ መስሕብ ቱሪዝም እቲ ከባቢ እናዕበዮ ከምዝመፀ ምምሕዳር ዞባ ጉራጌ ኣፍሊጡ።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደር ገጠር ብሰፊሑ ተግባራዊ ካብ ዝኾነሎም ከባብታት ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ እቲ ሓደ እዩ።
እቲ ልምዓት ሜላ መነባብሮ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ካብ ምምዕባል ብተወሳኺ ንዓመታት ባህሉ ገይሩ ክጥቀመሉ ንዝፀንሐ''ጀፎረ'’ መስሕብ ቱሪዝም ንክኸውን እናገበረ እዩ ተባሂሉ።



ጀፎሮ ማሕበረሰብ ጉራጌ ካብ ቀደም ጀሚሩ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ምንቅስቓስ ዘሳልጠሉ እንትኸውን ምስቲ ልምዓት ኮሪደር ተኣሳሲሩ ንክለምዕ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
እዚ ድማ መስሕብ ቱሪዝም እቲ ከባቢ ንክዓቢ እናኽኣለ እዩ ተባሂሉ።



ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጉራጌ ኣይተ ላጫ ጋሩማ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ጀፎረ ምስ ልምዓት ኮሪደር ገጠር ኣዋዲድካ ንምልማዕ ዝተውሃቦ ትኹረት ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ ኢሎም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም