መራሕቲ ኣፍሪካ ብዝሃ ሂወት ምስ ብሄራዊ ፖሊሲታቶም ከተኣሳስርዎ ይግባእ-ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ - ኢዜአ ትግርኛ
መራሕቲ ኣፍሪካ ብዝሃ ሂወት ምስ ብሄራዊ ፖሊሲታቶም ከተኣሳስርዎ ይግባእ-ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 27/2018(ኢዜኣ) መራሕቲ ኣፍሪካ ኣጀንዳ ብዝሃ ሂወት ምስ ብሄራዊ ፖሊሲታቶም ብምትእስሳር ተግባራዊ ክገብርዎ ከምዝግባእ ምክትል ኣቦ መንበት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ ገሊፀን።
ካብ 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ቦትስዋና ጋቦሮኒ ክካየድ ዝፀንሐ ፈላማይ ጉባኤ ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ተዛዚሙ።
እቲ ጉባኤ “ብዝሃ ሂወት ብዘላቕነት ብምጥቃም ብልፅግና ኣፍሪካ ምርግጋፅ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ተኻይዱ።
ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ፤ እቲ ጉባኤ ኣፍሪካ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ንምሕላው ኣብ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ታቲኻዎ ኩነት ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ብኽለትን ዘላቒ ዘይኮነ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣብ ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ስግኣታት ከምዝኾኑ እውን ሓቢረን።
ኣብ ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ዝተዋደደ ተግባራዊ ምላሽ ከምዘድሊ ዝገለፃ እተን ኣምባሳደር፤ ነቲ ዓውዲ ዘድሊ መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት ምግባር ይግባእ ኢለን።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ኣባል ሃገራት፣ዞባዊ ትካላት፣ሲቪክ ማሕበራትን ዓውዲ ውልቀን ብምዃን ስትራቴጂ ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ምስ ኣጀንዳ 2063ን ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ብዝተጠዓዓመ መልክዑ ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝሰርሕ ኣረዲአን።
መራሕቲ ኣፍሪካ ኣጀንዳ ብዝሃ ሂወት ምስ ብሄራዊ ፖሊሲታቶም ብምትእስሳር ተግባራዊ ክገብርዎ ከምዝግባእ እውን ገሊፀን።
እቲ ጉባኤ ኣብ ሃፍትታት፣ዕድላት፣ፈተናታትን ቀፃሊ ስጉምትታትን ምዝታዩ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።