ርክብ ኢትዮጵያን ሩሲያን ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምዕባይ ዝዓለመ ምኽክር ተኻይዱ - ኢዜአ ትግርኛ
ርክብ ኢትዮጵያን ሩሲያን ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምዕባይ ዝዓለመ ምኽክር ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 26/2018 (ኢዜኣ) ርክብ ኢትዮጵያን ሩሲያን ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምዕባይ ዝዓለመ ምኽክር ተኻይዱ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ምስ ምክትል ሓላፊ ፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ሩሲያ ማክሲም ኤስ ኦሬሽኪንን ሚኒስትር ልምዓት ኢኮኖሚ ሩሲያ ማክሲም ሬሼትኒኮቭን ዘትዮም።
ኣብ ዘተኦም እውን፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂካውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ምዝታዮም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመላኽት።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ዘላቒ ልምዓት፣ዞባዊ ድሕንነትን ሓባራዊ ልምዓትን ምዝታዮም ተገሊፁ።
ሚኒስትር ጌዲዮን (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ሩሲያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምትሕብባር ንዝገበረቶ ቀፃልነት ዘለዎ ደገፍ ኣመስጊኖም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ግብርና፣ማኑፋክቸሪንግ፣ኣይሲቲ፣ ልምዓት መዓድን፣ሓፂነ መፂን፣መሰረተ ልምዓት ኢነርጂ፣ ኑክሊየርን ካልኦት ዓውድታትን ብምትሕብባር ምስራሕ ዝከኣለሎም ምችው ኩነታት ኢንቨስትመንት ከምዘለዉ ኣረዲኦም።