ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 49 ሽሕ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ተወሲዱ-ቢሮ ንግዲ እቲ ክልል

ኣዲስ ኣበበ/ጥቅምቲ 26/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ 3 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ኣብ ልዕሊ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 49 ሽሕ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ቢሮ ንግዲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ተስፋዬ ገሾ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ንግዲ ብምክልኻል ጥዕና ዘለዎ ስርዓት ንግዲ ንምርግጋፅ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ እዩ።
ኣብቲ በጀት ዓመት ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ካብ ቢሮታት ፖሊስ፣ዓቃቢ ሕጊ፣እቶትን ትራንስፖርትን እቲ ክልል ዝተውፃእፀአ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ በቢዞብኡን ከተማታትን ሰፊሕ ቁፅፅር እናገበረ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ብዘይ ፍቓድ ንግዲ ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ፣ኣብ ፍርያት ዘየድልዩ ነገራት ሓዊስካ ምሻጥን ዝርዝር ዋጋ ዘይምልጣፍን ዝመሳሰሉ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ዝፈፀሙ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ልዕሊ ዘጭበርብሩ፣ደረሰኝ ዘይህቡ፣ብዘይ ኣግባብ ፍርያትን ሸቐጣትን ዝእክቡን ዝሓብኡን ትካላት ንግዲ መጠንቀቕታ ምሃብ፣ምዕሻግን ካልኦት ምምሕዳራዊ ስጉምትታትን ተወሲዶም እዮም ኢሎም።
ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 49 ሽሕ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም