ሃገራት ኣፍሪካ ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ማእኸል ትኹረት ኣጀንዳ ልምዓተን ክገብርኦ ይግባእ-ኮሚሽነር ሞሰስ ቪላካቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገራት ኣፍሪካ ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ማእኸል ትኹረት ኣጀንዳ ልምዓተን ክገብርኦ ይግባእ-ኮሚሽነር ሞሰስ ቪላካቲ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 25/2018(ኢዜኣ) ሃገራት ኣፍሪካ ሓለዋን ክንክንን ብዝሃ ሂወት ከም ኣጀንዳ ልምዓት ብምሓዝ ክሰርሓ ከምዝግባእ ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖሚን ዘላቒ ከባብያዊ ኣየርን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሰስ ቪላካቲ ገሊፆም።
ፈላማይ ጉባኤ ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ኣብ ቦትስዋና ከተማ ጋቦሮኒ ካብ 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
እቲ ጉባኤ፤ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልትታት ብብርኪ ሰብ ሞያ እናተሳለጠ ብምፅናሕ ሎሚ መዓልቲ ብብርኪ ሚኒስትራት ተኻይዱ።
“ብዝሃ ህይወት ብዘላቕነት ብምጥቃም ብልፅግና ኣፍሪካ ምርግጋፅ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ እቲ ጉባኤ፤ ኣብ ሃፍትታት፣ዕድላት፣ፈተናታትን ቀፃሊ ስጉምትታትን ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ዝዝቲ እዩ።
ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖሚን ዘላቒ ከባብያዊ ኣየርን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሰስ ቪላካቲ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣፍሪካ ካብ ፀጋ ብዝዘለለ መሰረት ዕቤት ኢኮኖሚ፣ ውሕስና ምግብን መንነት ባህልን እታ ኣህጉር እዩ።
ኣፍሪካውያን ብዝሃ ሂወት ዓምዲ ኣጀንዳ ልምዓት እታ ኣህጉር ከምዝኾነ ብምርዳእ ኣድላይ ሓለዋ ብምግባር ቆራፅነቶም ከርእዩ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።
ኣፍሪካ ኣብ ዓለም መሪሕ ሓለዋን ዘላቒ ኣጠቓቕማን ብዝሃ ሂወት ንግበራ፣ንቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸ ነገር ነረክብ ክብሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እቲ ጉባኤ፤ ፅባሕ ብብርኪ መራሕቲ ኣብ ዝግበር ኣኼባ ከምዝዛም ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።