ኢትዮ-ኮደርስ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ዜጋታት ብምዕባይ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ቁልፊ እጃም እናበርከተ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮ-ኮደርስ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ዜጋታት ብምዕባይ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ቁልፊ እጃም እናበርከተ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 25/2018(ኢዜኣ) ኢትዮ-ኮደርስ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ዜጋታት ብምዕባይ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ቁልፊ እጃም እናበርከተ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ገሊፁ።
ኣብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ዲጂታል ኢኮኖሚ ስዩም መንገሻ ከምዝበልዎ፤ ዲጂታል መሰረተ ልምዓታት ኣገልግሎታት መንግሥቲ ኣብ ምስላጥ ጭቡጥ ዓወት እናምፅኡ እዮም።
ስልጠና ተበግሶ ኢትዮ-ኮደርስ 5 ሚልዮን እውን ካብ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዝተቐድሐ ቁልፊ መርሃ ግብሪ ልምዓት ፍልጠትን ክእለትን ዜጋታት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ስልጠና ኮደርስ ካብ ዝጅምር ጀሚሩ እውን ኣብ መሰረታዊነት ፕሮግራሚንግ፣ኣንድሮይድ፣ዳታ ሳይንስን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታት እቲ ስልጠና እናወሰዱ እዮም ኢሎም።
ስልጠና ኢትዮ-ኮደርስ እናተኸታተሉ ካብ ዝርከቡ ዜጋታት እውን እቶም ከባቢ 1 ነጥቢ 6 ሚልዮን እቲ ስልጠና ዛዚሞም ሰርቲፊኬት ምውሳዶም ኣፍሊጦም።
መርሃ ግብሪ ስልጠና ኮደርስ እውን ፍልጠትን ክእለትን ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዜጋታት ብምዕባይ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነቶም እናዕበየ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
እቲ መርሃ ግብሪ ብፍልጠትን ክእለትን ዲጂታል ክኖሎጂ ዝማዕበለ ሓይሊ ሰብ ብምፍራይ ኣወሃህባ ኣገልግሎታት ኣብ ምምዕባል በሪ ከምዝኸፈተ ገሊፆም።
ኣብ መወዳእታ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ስልጠና ኢትዮ-ኮደርስ ዝወሰዱ ዜጋታት 4 ሚልዮን ንምብፃሕ ምስ ክልላትን መዳርግቲ ኣካላትን ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያውያን እውን ስልጠና ኢትዮ-ኮደርስ ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ብምምዝጋብ ዓቕሚ ዲጂታል ፍልጠቶምን ክእለቶምን ብምዕባይ ተረባሕቲ ንክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም።