ኣፈላላይ ሓሳብ ብኲናት ንምፍታሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ጠጠው ክብል ኣለዎ-ጀነራል ሳሞራ ዩኑስ

 

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 25/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ኣፈለላይ ሓሳብ እንትፍጠር ብኲናት ጥራሕ ንምፍታሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ጠጠው ክብል ኣለዎ ክብሉ ነበር ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ሳሞራ ዩኑስ ገሊፆም።

ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝበልዎ፤ ቅድሚ ሕዚ ዝተፈፀመ ከቢድ ስሕተት ንህዝቢ ትግራይ ዋጋ ኣኽፊልዎ እዩ።

ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ይኣኽለኒ ኢሉ እዩ እውን ኢሎም።

ብዝኾነ ኣጋጣሚ ዋላ ኳ ኲናት እንተተፈጢሩ እቲ ህዝቢ እዚ ናይ ምድጋፍ ሓሳብ ከምዘይብሉ ሓቢሮም።

ቅድሚ ሕዚ ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ብዘይምኽኣሉ ዝተልዓለ ኲናት ንህዝቢ ትግራይ ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑሉ እዩ ኢሎም።

እቲ ህዝቢ ክሳብ ሕዚ በሰላ እቲ ኲናት ከምዝተሸከመ ብምግላፅ፤ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ስሕተት ክድገም ከምዘይብሉ ተዛሪቦም።

«ኲናት ኣሸነፍካ ተሸነፍካ ጥዑም ኮይኑ ኣይፈልጥን ዝበሉ ጀነራል ሳሞራ፤ ኣብቲ ክልል ብርክት ዝበለ መንእሰይ ሂወቱ ስኢኑ፣ኣዴታት ብሓዘን ተጎዲአን፣ተፀጊመን እውን እየን፤ ስለዝኾነ ድማ እቲ ህዝቢ ናብ ኲናት ክኣትው ኣይግባእን ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ዓይነት ፀገም ወይ ድማ ኣፈላላይ ሓሳብ እንትፍጠር ብኲናት ጥራሕ ንምፍታሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ጠጠው ክብል ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኣፈላላያት ብሰላም ጥራሕ ክፍትሑ ኣለዎም ኣብ ዝብል እምነት ምፅናዕ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።

ኣብቲ ክልል ፀገም ኲናት ክመፅእ እዩ እናበሉ ዘይተጨበጠ ወረ ዝነዝሑ መራሕቲ ሰራዊት ይሰምዕ እየ ዝበሉ ጀነራል ሳሞራ፤ እዚ ግና ውልቃዊ ሓሳቦም ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ኣነ ዝብሎም ግና ሓቃዊ ኣገልገልቲ ህዝቢ እንተኾይኖም ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ምፍታሕ ቀዳማይ ጉዳዮም ክገብርዎ ይግባእ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም