እቲ ሓዱሽ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓለም ናይ ምትእስሳር ዓቕሙ ዘዕቢ እዩ-ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 24/2018(ኢዜኣ) ኣብ ቢሾፍቱ ዝህነፅ ሓዱሽ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓለም ናይ ምትእስሳስር ዓቕሙ ንምጥንኻር ስትራቴጂካዊ ረብሓ ከምዘለዎ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።
ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ተጀሚሩ።
ኣካል እቲ ፎረም ዝኾነን ቢሾፍቱ ኣብ ዝህነፅ ሓዱሽ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ጠመተ ዝግበረን ዘተ ተገይሩ።
ኣብቲ ዘተ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው፣ ተወከልቲ መሓዛ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝኾነ ዓለም ለኸ ኣማኻሪ ትካል ዳር አል-ሃንዳሳህን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዝኾነ ዓለም ለኸ ትካል ኬፒኤምጂን ተረኺቦም።




ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፤ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ብዝሓለወ ኩነታት ዝህነፅ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ለውጢ ንምምፃእ፣ብልፅግና ንምርግጋፅን ዓለም ለኸ ምትእስሳር ንምጥንኻን ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።
ሓላፊ ኤርባስ ኣብ ኣፍሪካ ፌዴሪኮ ቡልቶ፤ እቲ ኩባንያ ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝደሊ ገሊፆም።
ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም መንገድትታት ኣየር ኤምሬትስን ኳታርን ዓለም ናይ ምትእስሳር ዓቕሚ ከምዝፈጥረሉ እውን ተዛሪቦም።
ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ህንፀት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝምልከት ግንዛበ ከምዝረኸቡ ተገሊፁ።
ሰብ ሃፍቲ ኣውሮፓ ኣብ ህንፀት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ንምስታፍ ድሌት ዘርኣይሉ መድረኽ ከምዝኾነ እውን ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም