24 ጥቅምቲ እንትዝከር ሃገራዊ ህልውና ኣብ ምርግጋፅ ታሪኽ ዝሰርሑ ጀጋኑ ብምዝካር ክኸውን ኣለዎ-ሌ/ጄ ዘውዱ በላይ - ኢዜአ ትግርኛ
24 ጥቅምቲ እንትዝከር ሃገራዊ ህልውና ኣብ ምርግጋፅ ታሪኽ ዝሰርሑ ጀጋኑ ብምዝካር ክኸውን ኣለዎ-ሌ/ጄ ዘውዱ በላይ
ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/24/ 2018 (ኢዜኣ) 24 ጥቅምቲ እንትዝከር ሃገራዊ ህልውና ኣብ ምርግጋፅ ታሪኽ ንዝሰርሑ ጀጋኑ ብምዝካር ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ኣዛዚ ማእኸላይ እዚ ዳሎል ሌ/ጄ ዘውዱ በላይ ገሊፆም።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ሓምሻይ ዓመት፥ “ከይድገም፣ ፍፁም እውን ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣመራርሓ ማእከላዊ እዚ ፣ ኣባላትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ኣብ ዝተረኸብሉ ብፓናል ዘተ ኣብ ከተማ ጅማ ተዘኪሩ።
ኣባላት ሰራዊት ኣብቲ መድረኽ፤ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዙሕ ምምዝባል ከምዘስዓበ ብምዝኽኻር ናይ ሰላም ዋጋ ምግንዛብ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ዝበፅሐ በደል ንከይድገም ብንቕሓት ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።
ናይቲ እዚ ኣዛዚ ሌተናል ጄኔራል ዘውዱ ብግደኦም፤ እቲ መዓልቲ እንትሕሰብ ኣብቲ እዋን ዝተፈጠረ ኩነታት ብምኹናን፣ብክሕደት ተወጊኦም መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ኣባላት ሰራዊት ብምዝካር ክኸውን ይግባእ ኢሎም።