ኣብቲ ዞባ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝግበሩ ፃዕርታት ደገፍ ክግበር እዩ-ኢጋድ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብቲ ዞባ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝግበሩ ፃዕርታት ደገፍ ክግበር እዩ-ኢጋድ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 24/2018(ኢዜኣ) ኣብቲ ዞባ ውሕስና ምግብን መፍረያይነት ግብርናን ንምርግጋፅ ንዝግበሩ ፃዕርታት ደገፍ ከምዝገብር በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ኣፍሊጡ።
ወርክሾፕ መረጋገፂ ስትራቴጂ መፅናዕቲ መስኖ ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ እንትኸውን ኣብቲ መድረኽ ተወከልቲ ኣባል ሃገራት እቲ ዞባ ይሳተፉ ኣለዉ።
ኣብ ኢጋድ ዳይሬክተር ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ዞባዊ ምትእስሳርን ሞሄለዲን ኤልቶሀሚ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ዞባ ንተደጋጋሚ ድርቅን ፀገማት ቀረብ ማይን እናተቓልዐ እዩ ዝርከብ።
ኣባል ሃገራት ኢጋድ መፍረያነት ግብርና ንምውሳኽ ንልምዓት መስኖን ኣተሓሕዛ ሃፍቲ ማይን ቀዳምነት ክህባ ይግባእ ኢሎም።
እቲ ስትራቴጂ መስኖ ኣብቲ ዞባ ዓቕሚ ልምዓት መስኖን ግብርናን ንምዕባይ፣ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ንምብዳም መሬት መፍትሒ ንምሃብን ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዞባ ንሕርሻ ምችው ዝኾነ መሬት ምህላዉ ስዒቡ መፍረያይነት ግብርና ብመስኖ ብምድጋፍ ምዕባይ ከምዝከኣል እውን ሓቢሮም።
ኣብ ሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን መራሒ ፈፃሚ ስራሕ መፅናዕትን ዲዛይንን ፕሮጀክት መስኖ ያሬድ ሙላት ብግደኦም፤ እተን ኣባል ሃገራት ተደጋጋሚ ድርቅን ፀገም ዝርገሐ ቀረብ ማይን ብዘስዕብዎ ፀገማት እናተፈተና ከምዝርከባ ገሊፆም።
ኣብ ዓውዲ ግብርና መስኖ ምስፍሕፋሕ፣መፍረያይነት ግብርና ምምሕያሽ፣ዘላቒ መነባብሮ ነበርቲ ገጠር ምርግጋፅ፣ድኽነት ንምቕናስን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን እቲ ቀንዲ መንገዲ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ማዕቐፍ ልምዓት መስኖን ኣተሓሕዛ ማይን ብምቕራፅን እቶም መትካላት ተግባራዊ ብምግባርን ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረት ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም።
እቲ ማዕቐፍ ዋላ ኳ ኣህጉራዊ ትልሚ እንተኾነ መብዛሕቲኦም ብሄራዊ ስትራቴጂታትን ፖሊሲታትን ኢትዮጵያ ምስቶም መትከላት ዝተጠዓዓሙ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
መንግሥቲ ተቓላዕነት ለውጢ ካብያዊ ኣየር ንምቕናስ ኣብ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ኣተኣኻኽባ ማይ ዝናብን ኣተሓሕዛ ተፋሰስ ማይን ጠመተ ዝገበሩ ፕሮግራማት ሓንፂፁ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጦም።