ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ሓምሻይ ዓመት “ከይድገም፣ ፈፂምና እውን ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይዝከር ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ሓምሻይ ዓመት “ከይድገም፣ ፈፂምና እውን ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይዝከር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/24/ 2018 /ኢዜኣ/ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ሓምሻይ ዓመት “ከይድገም፣ ፈፂምና እውን ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይዝከር ኣሎ።
መጥቃዕቲ እዚ ሰሜን እንትንዝክሮ ፍፁም ንከይድገም እዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።
ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ሓምሻይ ዓመት “ከይድገም፣ ፈፂምና ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይዝከር ኣሎ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ሰሜን እዚ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ፍፁም ዘይርሳዕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እዚ ሰሜን ኣብ ክልል ትግራይ ንዓመታት ካብ ፅሕተራ ሻዕቢያ ንህዝቢ እቲ ክልል እንትሕሉ ካብ ምፅንሑ ብተወሳኺ ብገንዘቡ፣ጉልበቱን ፍልጠቱን እናደገፈ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ልዕሊ እዚ ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፀሊም ነጥቢ ዘዕረፈ ታሪኽ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ሃገር ንምፅናሕ በቢእዋኑ መስዋእትነት ተኸፊሉ እዩ ብምባል እዚ ሰሜን ፍሉይ ዝገብሮ ብናይ ባዕሉ ወገናት ናይ ጭካነ ተግባር ዝተፈፀመሉ ብምዃኑ እዩ ኢሎም።
ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ በቢዓመቱ እንዝክሮ ፍፁም ንከይድገም እዩ ክብሉ እውን ኣፅንኦት ሂቦም።
ኣብ እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ ተግባር ጭካነ እንትዝከር ብዛዕባ ክሕደት ውሑዳት ኣባላት ህወሓት ከምዝኾነ ብምሕባር እዚ ጉጅለ ሐዚ እውን ናይ ሃገር ፀላኢ ኮይኑ ምቕፃሉ ኣመላኺቶም።