ልምዓት ኮሪደር ገጠር ሜላ መነባብሮ እቲ ሓረስታይ ብምልዋጥ ዝተማልአ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝዓለመ እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ልምዓት ኮሪደር ገጠር ሜላ መነባብሮ እቲ ሓረስታይ ብምልዋጥ ዝተማልአ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝዓለመ እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 22/2018(ኢዜኣ) ልምዓት ኮሪደር ገጠር ሜላ መነባብሮ እቲ ሓረስታይ ብምልዋጥ ዝተማልአ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ገሊፁ።
ሙሉእ እቲ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፦
መንግሥቲ ንኢትዮጵያ ዝምጥን ከተማ ንምህናፅ እቲ ልምዓት ኮሪደር ካብ ኣዲስ ኣበባ ብምጅማር ኣብ ኩሎም ክልላት ከተማታት ናይ ምልማዕ ስራሕ እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ።
እቲ ልምዓት ኮሪደር ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ እጃም ኣለዎ። ካልኦት ከተማታት እውን ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ልምዓት ኮሪደር እንታይ ከምትመስል፤ እቲ ልምዓት እንትስራሕ ዝነበረ ኩነታትን እቲ ልምዓት ኮሪደር ድሕሪ ምዝዛሙ ዘሎ ለውጥን ዘርኢ ልምዲ ድሕሪ ምውሳዶም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ 68 ከተማታት ልምዓት ኮሪደር ምስራሕ ተኻኢሉ እዩ።
እቲ ልምዓት ኮሪደር ምስ ዕቤት ከተማነት ዝተኣሳሰረ ልምዓት እንትኸውን፤ ንኹሉ ተጠቃሚ ዝገብር ፍትሓዊ ልምዓት ንዜጋታትና ንምቕራብ ብምሕሳብ ንካልኦት ሃገራት መርኣያ ክኸውን ብዝኽእል መልክዑ ከተማታት እናልምዑ ይርከቡ።
ይኹን እምበር መብዛሕቲኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝነብር ኣብ ገጠር ስለዝኾነ ሂወት ዜጋታት ንምቕያርን ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅን ኣብ ከተማ ዝተሰርሐ ልምዓት ኮሪደር እኹል ኣይኮነን። ኣብ ከተማታት ዝተርኣየ ዝነኣድ ውፅኢት ኣብ ገጠር እውን ክስራሕ ኣለዎ።
ስለዚ እቲ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ከተማ ጥራሕ ከይተገደበ መነባብሮ ማሕበረሰብ ገጠር ንምምሕያሽ ልምዓት ኮሪደር ገጠር ተግባራዊ ተገይሩ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት 2017 ዓ/ም ኣካል ልምዓት ኮሪደር ልምዓት ዝኾነ ሞዴል መንደራት ገጠር ምጅማሮም ዝዝከር እዩ።
ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝግበር ፍልሰት ብምቕናስ ዕቤት ንምምፃእ ልምዓት ኮሪደር ገጠር ተግባራዊ ምግባር ወሳኒ እዩ።
እዚ ድማ ዝተመሓየሸ መነባብሮን ከተማነትን ናብ ገጠር ብምምፃእ፤ ሞዴል መንደራት ገጠር ቀሊል ወፃኢ ዝሓቱን ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ እታዎታት ዝህነፁ ከምኡ እውን እቲ ሓረስታይ ጥዕናን ክብርን ዘለዎ ሂወት ንክነብር ዘኽእል ኣካል ልምዓት እዩ።
ልምዓት ኮሪደር ገጠር ኢኮኖሚያዊ፣ማሕበራውን ስነ ሂወታውን ፋይዳ ሓዊሱ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ዘለዎም እንትኸውን እዚ ድማ ዘላቒ ልምዓትን ዝተረጋግዐ ሕብረተሰብን ንምፍጣር ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ።
ቅድሚ እቲ ለውጢ ፍልፍል ኢኮኖሚ ዝኾነ ከባቢ ገጠር ትኹረት ከይተገብረሉ ዝፀንሐ እንትኸውን፤ ኣለሻ ዝሓሸ መነባብሮ ናብ ከተማ ዝወፍር ሓረስታይ ኣብ ዝነብረሉ ተረጋጊዑ ፀጋ ብምውሳኽ እናሰርሐ ንክነብር ዘኽእል ኩነታት እዩ እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ዝፈጠሮ። ልምዓት ኮሪደር ሓፈሻዊ ስግግር ሕብረተሰብ ዘምፅእን መሰረተ ልምዓት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ዘረጋግፁ ጉዳያት ዝሓቖፈን እንትኸውን፤ ኣብ ከባብታት ገጠር ዘበናዊ መነባብሮ ዝፈጥርን ሂወት እቲ ሓረስታይ ዝቕይርን ክኸውን እዩ።
ብሓፈሻ ልምዓት ኮሪደር ገጠር እቲ ሓረስታይ ተረባሒ ቴክኖሎጂን ዘበናዊ ሜላ ፍርያትን ንክኽተል ዝገብር እንትኸውን እቲ ሓረስታይ ባህሉ ሓልዩ እቲ ከባቢኡ ንፁህ፣ድሕሪ ገዝኡ ደርሆ፣ኣትክልትን ፍራ ምረን ከምኡ እውን ፍርያት መዓርን ፀባን ዝወነነ ብምግባር ቀሊል ሜላ መነባብሮ ንክኽተል ዝገብር እዩ።