መንግሥቲ ንስፖርት ኩዕሶ እግሪ ዝሃቦ ትኹረት ውፅኢታውነት ንምምሕያሽ ምልዕዓል ዝፈጥር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግሥቲ ንስፖርት ኩዕሶ እግሪ ዝሃቦ ትኹረት ውፅኢታውነት ንምምሕያሽ ምልዕዓል ዝፈጥር እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 21/2018 (ኢዜኣ) መንግሥቲ ብብርኪ ዓለም ተነሓናሒ ጉጅለ ኩዕሶ እግሪ ንምህናፅ ዝሃቦ ትኹረት ውፅኢታውነት ንምምሕያሽ ምልዕዓል ዝፈጥር እዩ ክብሉ ኣመራርሓ ስፖርት ኩዕሶ እግሪ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ካብ ዘልዓልዎም ጉዳያት ምምሕያሽ ዕቤት ኩዕሶ እግሪ እቲ ሓደ እዩ።
ኣብቲ እዋን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ በቲ ዝድለ ብርኪ ዘይምዕባዩን ብሄራዊ ጉጅለ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪካ ዘይምስታፉን ንብዙሓት ከምዘጣዕስ ተዛሪቦም እዮም።
መንግሥቲ እዚ ጣዕሳ ንምቕያር ንዕቤት ኩዕሶ እግሪ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዕሊ 1 ሽሕ ኣናእሽተይ ስታዴማት ምህናፆም ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ኣብዚ ጉዳይ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ኣመራርሓ ስፖርት ኩዕሶ እግሪ፤ መንግሥቲ ብፍላይ ድማ ንኩዕሶ እግሪ ዝሃቦ ትኹረት ቅድሚ ሕዚ ዘይተርኣየን ብዝበለፀ ዘለዓዕልን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
መካየዲ ስራሕ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ክለብ ስፖርት ኣርሲ ነገሌ ጌታነህ ታደሰ፤ መንግሥቲ ንዕቤት ስፖርተ ኩዕሶ እግሪ ወሳኒ ዝበሃሉ መሰረተ ልምዓታትን ስታዴማትን ሃኒፁ እዩ፤ እናሃነፀ እዩ ዝርከብ እውን ኢሎም።
እቶም መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ሰገናት ብምፍራይ ብቑዕን ተነሓናሕን ጉጅለ ንምህናፅ ዓብይ ፋይዳ ከምዘለዎም ሓቢሮም።
ፕሬዚዳንት ክለብ ስፖርት ኩዕሶ እግሪ ባቱ ተስፋዬ ኤዳዎ ብግደኦም፤ መንግሥቲ ኩዕሶ እግሪ ንምዕባይ ዝጀመሮ ሰራሕ ንትንሳኤ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝለዓለ እጃም ኣለዎ ኢሎም።
ብፍላይ ድማ ሰገናት መሰረት ብምግባር ዝተሃነፁ ስፍራታት ስፖርትን ካልኦት ስራሕትን ንዕቤት ኩዕሶ እግሪ ጠንካራ መሰረት ዘንበሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
መካየዲ ስራሕ ክለብ ስፖርት ኩዕሶ እግሪ ሲዳማ ቡና ከነዓን በለጠ፤ መንግሥቲ ነቲ ዓውዲ ዝሃቦ ትኹረት ምልዕዓል ዝፈጥር ከምዝኾነ እውን ፀሪሐን።
ኣብ ሰገናት ምስራሕ ንዕቤት ኩዕሶ እግሪ ወሳኒ ስለዝኾነ ክለባት ሰገናት ናብቲ ዋና ጉጅለ ኣብ ምዕባይ ብትኹረት ክሰርሑ ከምዘለዎም ተዛሪበን።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ባህሩ ጥላሁን ከምዝበልዎ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ ኩዕሶ እግሪ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዓብይ ሓላፍነት ከምዘለና ዘመላኽት እዩ።
ኣብ ቀፃሊ ተነሓናሕን ውፅኢታውን ጉጅለ ኩዕሶ ንምህናፅን መንግሥቲ ዝፈጠሮ ምችው ኩነታት ንምጥቃምን እቲ ፌዴሬሽን ብትኹረት ከምዝሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም።