ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንኣባላት ቤት ምኽሪ ዝሃብዎ መብራህርሂ ድሌት ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ዘመላኸተ እዩ-ነበርቲ ከተማ መቐለ

መቐለ/ጥቅምቲ 21/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንኣባላት ቤት ምኽሪ ዝሃብዎ መብራህርሂ ድሌት ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ዘመላኸተ ከምዝኾነ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መበል 2ይ ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 6ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መብራህርህን መልስን ምሃቦም ዝዝከር እዩ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መብራህሪህኦም ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ወቕታዊ ኩነታትን መንግሥቲ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነትን ብዝምልከት ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም እዮም።
ድሌት ህዝቢ ትግራይ ዘላቒ ሰላምን ተረባሕነት ልምዓትን ምዃኑ ብምግላፅ፤ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ መንግሥቲ ፌዴራል ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምስላጡ እውን ሓቢሮም እዮም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።
ኣብዚ ጉዳይ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ መቐለ፤ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝሃብዎ መብራህርሂ ድሌት ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ዘመላኸተ እዩ ኢሎም።
ካብቶም ነበርቲ መንእሰይ ይልማ ሃብቴ፣ኣይተ ኣፅብሃ ኣብርሃን መምህር ሃይለ ከለለውን፤ ህዝቢ ክልል ትግራይ ናብ ጎንፅን ኵናትን ንምእታው ንዝሰርሑ ኣካላት ብፍፁም ኣይቕበልን ክብሉ ገሊፆም።
ድሌት እቲ ህዝቢ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ሰላምን ልምዓትን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድሌቱ ብኣግባቡ ተረዲኡ ዝሰርሐሉ ምምሕዳር ከምዝደሊ እውን ሓቢሮም።
ብፍላይ ድማ ድሌት እቲ መንእሰይ ሰሪሕኻ ምልዋጥን ሂወቱ ብኣግባቡ ምምራሕን ከምዝኾነ ዝገለፀ መንእሰይ ይልማ ሃብቴ፤ ኣብቲ ክልል ህዝቢ ተረባሒ ዝገብሩ ፕሮጀክትታትን ስራሕቲ ልምዓትን ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ሓቲቱ።
ድሌት ህዝቢ ትግራይ ሰላሙ ብምሕላው ንልምዓት ሃገር ብሓባር ምስራሕን ምጥቃምን ስለዝኾነ ንተግባራዊነቱ እጃምና ክንዋፃእ ኢና ኢሉ።



ኣብ ከተማ መቐለ መምህር ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓድሓ ሃይለ ከለለው ብግደኦም፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንዕዉትነት ልምዓትን ህንፀት ሰላምን ዝገብርዎ ዘለዉ ስራሕ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ እውን ዝደሊ እዚ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም መምህር፤ ድሌት እቲ ህዝቢ ብዝተረድአ መልክዑ ነቲ ቤት ምኽሪ ዝሃብዎ መብራህርሂ ግቡእን ትክክለኛን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።



ካሊእ ነባሪ እቲ ከተማ ኣይተ ኣፅብሃ ኣብርሃ፤ ብኩሉ መልክዕ ዕቤትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መንግሥቲ ዘሳልጦም ዘለዉ ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ልምዓት ተስፋ ዘለዎም ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ኩሎም ከባብታት ሰላም ብምፅናዕ ልምዓት ንምቕፃል ሓባራዊ ልምዓትን ተረባሕነትን ጋህዲ ንምግባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ምስ ክልል ትግራይ ብዝተኣሳሰረ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝሃብዎ መብራህርሂ እውን ድሌት ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ እቲ ክልል መሰረት ዝገበረን ትኽክለኛ ትዕዝብትን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም