ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ጉባኤ ፖሊሲ መሬት ክተተኣናግድ እያ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 20/2018 (ኢዜኣ) መበል 6ይ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ፖሊሲ መሬት ካብ 1 ክሳብ 5 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
እቲ ኮንፈረንስ፤ “ምምሕዳር መሬት፣ፍትሕን ካሕሳን ንኣፍሪካውያንን ዘርኢ ኣፍሪካውያንን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እንትኸውን ሕብረት ኣፍሪካ፣ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኢሲኤ)ን ብሓባር ዘዳለውዎ እዩ።
ምስ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያዊ፣ታሪኻውን ከባብያውን ጉዳያት ኣፍሪካ ዝተጠዓዓሙን ንነበራዊ ሓቂ ምላሽ ዝህቡን ሙሩፃት ተሞኩሮታት ፖሊሲ መሬት ኣብቲ ኮንፈረንስ ክቐርቡ እዮም።
ውፅኢታውን ተሓታትነት ዝተረጋገፀሉን ስርዓት ምምሕዳር መሬት ምህናፅ፣ትካላዊ ዓቕሚ ምፍጣርን ክትትልን ቁፅፅርን ምጥንኻርን ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታት ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዛዕባታት ዘተ ከምዝግበር ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣብቲ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ፤ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣፍሪካ፣ትካላትን ኣወዳድባታትን እቲ ሕብረት፣ተመራመርቲ፣ሰብ ሞያ ፖሊሲ፣መራሕቲ ማሕበረሰብ፣ተወለድቲ ኣፍሪካውያንን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ክሳተፉ እዮም።
እቲ ኮንፈረንስ በቢ ክልተ ዓመት ከምዝዝካየድ እውን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም