ዓመታዊ ስልጠና ፓርቲ ብልፅግና ምክያድ ጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓመታዊ ስልጠና ፓርቲ ብልፅግና ምክያድ ጀሚሩ
አዲስ አበባ/ ጥቅምት/ 20/2018(ኢዜአ)፡- ናይ 2018 ዓመታዊ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ምክያድ ጀሚሩ
እቲ ዝዋሃብ ዘሎ ስልጠና "ብመንፅር መንግስቲ መደመር ፣ዝላ ዘርፍታት" ኣብ ትሕቲ ዝብ መሪሕ ሓሳብ ኮይኑ ን ዝቐፅሉ 10 ማዕልትታት ዝዋሃብ እዩ።
እቲ ስልጠና ንፍልጠት ኣመራርሓ ክህሎትን፣ ዓቐምን ዝሃንፁ ዝተፈላለዩ ርእስ ጉዳያት ዝቐርብሉ ምኹኑ ተገሊፁ።
ኣብ እቲ ስልጠና ልዕሊ 2 ሽሕ ካብ ፌዴራልን ክልላትን ዝተወፃፅኡ ለዕለዎት ኣመራርሓ ከም ዝሳተፉ ተፀሪሑ።
ጎና ጎኒ እቲ ስልጠና ናይ ተግባር ዑደት ስራሕ ልምዓት ከምዝካየድ ተመላኺቱ።