ኢትዮጵያ ንሰላም ደቡብ ሱዳን ኣድላይ ደገፍ ክትገብር እያ-ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንሰላም ደቡብ ሱዳን ኣድላይ ደገፍ ክትገብር እያ-ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 19/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋዕን ደቡብ ሱዳን ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ሱዳን ኣብ መሰረተ ልምዓት ዘለዋ ምትእስሳር ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዋ እውን ሓቢሮም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ንብሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ደቡብ ሱዳን ፒዬንግ ዴንግ ኩኦል ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ግዝኣት ኣቢዬ ዘሎ ወቕታዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ገለፃ ገይሩ።
ኢትዮጵያ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዛዚማ ብዓወት ብምምራቓ ዝተሰምዖም ሓጎስ ብምግላፅ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፤ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣብ ምረቓ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብምስታፎም ዘለዎም ምስጋና ኣቕሪቦም።
እቶም ሚኒስትር ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋዕን ደቡብ ሱዳን ዘለዋ ቆራፅነት እውን ኣረጋጊፆም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ መሰረተ ልምዓት ዝበለፀ ብምትእስሳር ዞባዊ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ንምጥንኻር ክሰርሓ ከምዝግባእ ምግላፆም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመላኽት።