ትግራይ ልምዓት የድልያ እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ብሰላማዊ መንገዲ ብምትሕብባር ንልምዓት ምስራሕ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

 

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /19/2018(ኢዜኣ) ትግራይ ልምዓት የድልያ እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ብሰላማዊ መንገዲ ብምትሕብባር ንልምዓት ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልስን መብራህርህን ከምዝበልዎ፤ ትግራይ ልምዓት የድልያ እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ብሰላማዊ መንገዲ ብምትሕብባር ንልምዓት ምስራሕ ይግባእ።

ኣብ ክልል ትግራይ ተወሳኺ ውግእ ንክካየድ ኣይንደልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ተሓባቢርና ሃገር ምልማዕ ኢና ንደሊ ኢሎም።

ካብዚ ወፃኢ መንግሥቲ ብሓይሊ ንምውዳቕ ድሌት እንተሃልዩ ፈፂሙ ክዕወት ኣይኽእን፤ መንግሥቲ ፌዴራል ንክልል ትግራይ ዝምድቦ በጀት ንልምዓት ዘይኮነስ ንዕጡቓት እናወዓለ እዩ ዝርከብ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ትኽክል ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ትግራይ ልምዓት ስለዘድልያ ብሰላማዊ መንገዲ ብምትሕብባር ንልምዓት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ ተወሳኺ ውግእ ንኽካየድ ኣይንደልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መንግስቲ ብሓይሊ ንምውዳቕ ድሌት እንተሃሊዩ ግን ፍፁም ክሰምር ዝኽእል ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተቐመጡ ቀንዲ ጉዳያ ንምፍፃም መንግስቲ ድሉው ከምዝኾነን ብዙሕ ርሕቐት ብምኻድ እናተግበረ ከምዝርከብን እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተቐመጡ ቀንዲ ነጥቢታት  ከየዘኻኸሩ ዘይሓለፉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር  ህወሓት ዘካየዶ መረፃ ሕጋዊ መረፃ ስለዘይኮነ ምስራዝ ኣብ ክልል ትግራይ ሕጋዊ ብዘይኮነ መረፃ ዝተጣየሸ ምምሕዳርን ቤት ምኽሪን እቲ ክልል ፈሪሱ ካብ ኩሉ ወገን ዝተውፃእፀአ ጊዚያዊ ምምሕዳር ምጥያሽ ዝብሉ ነጥብታት ዝተኻተቱ ምንባሮም ኣልዒሎም፡፡

 ብህዝቢ ዝተመረፀ ስርዓት ፌደራል መንግስቲ ምኽባር ኣብቲ ክልል ዕጥቂ ሒዞም እንናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይሊታት ዕጥቂ ምፍታሕን ብተሃድሶ ናብ ስሩዕ ህይወቶም ምምላስን ዝተቛረፁ ኣገልግሎታት ናብ ስራሕ ክምለሱ ምግባር እቲ ካልእ ነጥቢ ነይሩ።

ካብ መረበቶም ንዝተልዓሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ክምለሱ  ከምኡ እውን ዝኾነ ይኹን ርክብ ወፃኢ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎ መንግስቲ ፌደራል ጥራሕ ከምዝኾነ ምኽባር ዝብሉ ከምዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ኣዘኻኺሮም ።

ኮይኑ እውን ሐዚ እውን ትግራይ  ልምዓት ስለዘድልያ ብሰላማዊ መንገዲ ብምትሕብባር ንልምዓት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም