ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምስኣን ዝወሰደላ 30 ዓመት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምምላስ ካሊእ 30 ዓመታት ኣየድልያን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)


ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /19/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምስኣን ዝወሰደላ 30 ዓመት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምምላስ ካሊእ 30 ዓመታት ኣየድልያን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ መበል 2ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታትን ርኢቶታትምን መልስን መብራህርህን ሂቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሰላምን ፀጥታን ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምስኣን ዝወሰደላ 30 ዓመት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምምላስ ካሊእ 30 ዓመታት ኣየድልያን።
ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ሕጋዊ፣ታሪኻዊ፣መልክዓ ምድራውን ኢኮኖሚያውን ሕቶ ከምዝኾነ ኢና ንኣምን ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምስኣን ልዕሊ 30 ዓመት ዝወሰደ ቃልሲ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ እታ ሃገር ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምምላስ 30 ዓመት ኣየድልያን ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ ኩነታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ካቢኔ ዘይወሰኖ፣ተወከልቲ ዘይረኣይዎ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ሕቶ እዚ ዓብይ ጉዳይ መን እዩ ወሲንዎ ኢልካ ምሕታት ግቡእ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ መንገዲ ሕጋውን ትካላውን መሰረት ከምዘይብሉ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም