ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 18/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን።
ፎረም ምትሕብባር ዓቀብቲ ሕጊ ቻይና-ኣፍሪካ ኣብ ቻይና ግዝኣት ጓንዶንግ ከተና ጓንጁ ካብ 19 ክሳብ 20 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ክካየድ እዩ።
ኣብቲ ፎረም ብሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርዓያሥላሴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ክሳተፍ እዩ።
ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርዓያሥላሴ ምስ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ልኣላዊ ህዝቢ ቻይ ዪንግ ዮንግ ክልቲኣዊ ዘተ ገይረን።



ኣብቲ ዘተ እውን ኢትዮጵያን ቻይናን መርኣያ ጥንታዊ ስልጣነን 55 ዓመታት ዘቑፀረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘለወንን ሃገራት ምዃነን ተገሊፁ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምዝውዋር ፍርደኛታትን ኣብ ጉዳያት ገበን ሓባራዊ ምትሕብባርን ዝተገበሩ ስምምዓት ተግባራዊ ንምግባር ብክልቲኦም ወገናት ከምዝስራሕ ተሓቢሩ።



ኣብ መንጎ ሚኒስቴር ፍትሒ ፌዴሪኢን ሚኒስቴር ፍትሒ ቻይናን ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ንምስራሕ መረዳድኢ ስምምዕ ዝተፈረመ እንትኸውን ኣብ ቀፃሊ ብዝበለፀ ምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ቻይና ዪንግ ዮንግ ኢትዮጵያ ዋና መቐመጢ ሕብረት ኣፍሪካ ምዃና ብምግላፅ፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጠንካራ ምሕዝነት ብምጥቃም ቻይና ምስ ኣፍሪካ ንዘለዋ ርክብ ከም መእተዊ በሪ ከምትሪኣ ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ መንግስቲ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዝህልዎ ርክብ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ምግላፆም እውን ሚኒስቴር ፍትሒ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም