ኣብዚ ዓመት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ 100 ንምብፃሕ እናተሰርሐ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብዚ ዓመት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ 100 ንምብፃሕ እናተሰርሐ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 18/2018(ኢዜኣ) ኣብዚ ዓመት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ 100 ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 2ይ ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ ተረኺቦም ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት መልስን መብራህርህን ሂቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርህን መልስን፤ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት ዝነበረ ፀገም ንምፍታሕ ብርክት ዝበሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ከምዝተጀመረ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ ማእከላት መውሃቢ ኣገልግሎት 18 ከምዝበፅሑ ሓቢሮም።
ኣብ ቀረባ እዋን እውን ማእኸላት ኣገልግሎት ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ብብርኪ ሃገር መውሃቢ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ 100 ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ዝተሰርሐ ሪፎርም ልዑል ለውጢ ከምዘምፀአ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ቅድሚ 3 ዓመታት ኢትዮጵያ ፓስፖርት ናይ ምሃብ ዓቕማ 270 ሽሕ ከምዝነበረ ብምዝኽኻርን ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ኣብ ዓመት 4 ሚልዮን ፓስፖርት ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከምዝተፈጠረን ገሊፆም።
እዚ ውፅኢት ዝተረኸበ ድማ ኣብ ትካላዊ ሪፎርም ሱር ቦቆስ ለውጢ ስለዝተገበረ እዩ ኢሎም።