ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን መናእሰይ ብነፃ ስልጠና ኮዲንግ ወሲዶም እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)


ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 18/2018(ኢዜኣ) ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን መናእሰይ ብነፃ ስልጠና ኮዲንግ ምውሳዶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 2ይ ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተኻየደ እንትኸውን፤ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታትን ርኢቶታትን መልስን መብራህርህን ሂቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዲጂታላይዜሽን ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን መናእሰይ ብነፃ ስልጠና ኮዲንግ ወሲዶም እዮም።
እዚ ዓብይ ቁፅሪ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ 93 ሚሊዮን ዓማዊል ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ቴሌኮም እንትኾኑ 55 ሚሊዮን ዜጋታት ድማ ተጠቀምቲ ሞባይል ባንኪንግ ምዃን ክኢሎም እዮም ኢሎም።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ዲጂታላይዝ ንምግባር ዝጀመርናዮ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ጭቡጥ ለውጢ እናምፀአ ከምዝኾነ ዘመላኽት እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም