ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ምሕዝነት ዘላቒ ልምዓትን ብልፅግናን ምርግጋፅ ዘኽእል እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ምሕዝነት ዘላቒ ልምዓትን ብልፅግናን ምርግጋፅ ዘኽእል እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /18/2018 (ኢዜኣ) ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ምሕዝነት ዘላቒ ልምዓትን ብልፅግናን ምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ገሊፀን።
ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ንመፈፀሚ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ 2025 ስምምዕ ፋይናንስ 90 ሚልዮን ዩሮ ተፈራሪሞም።
እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰውን ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም ኢመስበርገርን ፈሪመምዎ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ንመፈፀሚ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ 2025 ስምምዕ ፋይናንስ 90 ሚልዮን ዩሮ ምፍርራሞም ሓቢረን።
እቲ ስምምዕ ከም ምምሕዳር መሬት፣ሓለዋ ብዝሃ ሂወት፣ምፅዋር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ምዕባይን ደገፍ ካብ ስደት ተመለስትን ኣብ ዝብሉ 4 ቁልፊ ፕሮግራማት ጠመተ ዝገበረ እዩ ኢለን።
እዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምትሕብባር ብሓዱሽ መንፈስ ምትሕብባር ዘጠናኽር ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳያት ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ኣረዲአን።
እቲ ስምምዕ፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ምሕዝነት ዘላቒ ልምዓትን ብልፅግናን ምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪበን።