ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ረብሓኣ ኢ-ፍትሓውን ኢ-ርትዓውን ውሳነ ዝተወሰነላ ሃገር እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

 

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 18/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ረብሓኣ ኢ-ፍትሓውን ኢ-ርትዓውን ውሳነ ዝተወሰነላ ሃገር እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 2ይ ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ ዘካየደ እንትኸውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት መልስን መብራህርህን ሂቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፍትሓዊ ተጠቃምነት ማይ ኣባይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ረብሓኣ ኢ-ፍትሓውን ኢ-ርትዓውን ውሳነ ዝተወሰነላ ሃገር እያ ኢሎም።
ኣባይ ምጥቃም ተፈጥሮኣውን ሕጋውን መሰላ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ሃፍቲ ብሓባር ንምጥቃም እኹል እዩ፤ ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ዘለዋ ቅዋም ግልፂ እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ግብውያን ይኹን ሱዳናዊያን ኣሕዋትና እዮም ብምባል፤ ስለዚ ዘዋፅእ ብምዝርራብን ብምትሕብባርን ብሓባር ምዕባይ እዩ ኢሎም።
ንሕና ንዝኾነ ይኹን ኣካል ብዝጎድእ መልክዑ ኣይንትልምን ኣይንሰርሕን ክብሉ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም