ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፅባሕ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት መልስን መብራህርህን ክህቡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 17/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፅባሕ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት መልስን መብራህርህን ክህቡ እዮም።
መበል 6ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ ፅባሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ከካይድ እዩ።
ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ 26 መስከረም 2018 ዓ/ም ንሓባራዊ ኣኼባ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ ዝምልከት ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝቐርቡ ሕቶታት ቀዳማይ ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መልስን መብራህርህን ክህቡ እዮም።
ነዚ ስዒቡ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ቅዋም መንግሥቲ ብምስማዕ ናይ ድጋፍ ሞሽን ከምዘፅድቕ ትፅቢት ይግበር።
ኣብቲ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ስሩዕ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተፀዋዕቲ ዓለም ለኸ ትካላትን፣ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን፣ተፀዋዕቲ ተናሓናሕቲ ውድባትን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ከምዝርከቡ ተገሊፁ።
ሙሉእ ከይዲ እቲ ኣኼባ እውን ብቀጥታ ፈነወ ናብ ህዝቢ ከምዝመሓላለፍ እቲ ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም