ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ምትእስሳር ኢንቨስትመንት ክጠናኸር ይግባእ-ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ምትእስሳር ኢንቨስትመንት ክጠናኸር ይግባእ-ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 15/2018(ኢዜኣ) ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ምትእስሳር ኢንቨስትመንት ክጠናኸር ከምዝግባእ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 11 ፎረም ጣና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ እንትኸውን፤ መራሕቲ፣ ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ፣ፍሉያት ልኡኻት፣ሙሁራንን ዝምልከቶም ኣካላትም ይሳተፉ ኣለዉ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሃገራት ኣፍሪካ ብናይ ባዕለን ዓቕሚ ኢኮኖሚያዊ ልኣላዊነተን ምርግጋፅ ዘኽእሉ ኩነታት ከመቻችዋ ይግባእ።
መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ቴክኖሎጂ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ንክዓቢ ቀንዲ ሞተር ንክኾኑ ምግባር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ህንፀታት መሰረተ ልምዓታት ትኹረት ከምዝደልዩ ሓቢሮም።
ብመዳይ ኢንቨስትመንት እውን ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ምትእስሳር ኢንቨስትመንት ክጠናኸር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኢንቨስት ብምግባር ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ዞባዊ ምትእስሳር ንክጠናኸር ኣወንታዊ እጃም እናበርከተ እዩ ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ዝግበሩ ተዛመድቲ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ልኣላዊነት ብልፅግና ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ዓብይ ስጉምቲ ምዃኖም እውን ኣረዲኦም።