ሓባራዊ ሽቶታት ኣፍሪካውያን ንምዕዋት ኣብታ ኣህጉር ዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ምርግጋፅ ይግባእ-ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓባራዊ ሽቶታት ኣፍሪካውያን ንምዕዋት ኣብታ ኣህጉር ዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ምርግጋፅ ይግባእ-ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 15/2018(ኢዜኣ) ሓባራዊ ሽቶታት ኣፍሪካውያን ንምዕዋት ኣብታ ኣህጉር ዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ምርግጋፅ ከምዝግባእ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም።
መበል 11 ፎረም ጣና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
እቲ ፎረም፤ “ኣፍሪካ ኣብ ተለዋዋጢ ስርዓት ዓለም’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ብምዝታይ መፍትሒ ሓሳባት ንምምልኻት ዝዓለመ እዩ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝሓሸት፣ሰላማ ዝተሓለወን ዝበልፀገትን ኣፍሪካ ጋህዲ ናይ ምግባር ሽቶ ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ሰላምን ድሕንነትን ምርግጋፅ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ጎንፂ ዘይብላን ድምፂ ጥይት ዘይስመዐላን ኣህጉር ጋህዲ ንምግባር ዝተትሓዙ ሽቶታት በቲ ዝድለ ብርኪ እናተዓወቱ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ኣቦ መንበር፤ ንዕዉትነቱ ቆራፅነት ከምዘድሊ ሓቢሮም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኣብ ኣፍሪካ ንዘጋጥሙ ፀገማት ብሓባር መፍትሕታት ንምምልኻት ከም ጣና ፎረም ዝበሉ መድረኻት ወሰንቲ እዮም ኢሎም።
ኣብ ኣፍሪካ ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ብሓድነት ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።