ፓርቲ ስምረት ኣብ መስራቲ ጉባኤኡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብፕሬዚዳንትነት መሪፁ




ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /15/2018(ኢዜኣ) መስራቲ ጉባኤኡ ዘካየደ ፓርቲ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ንኣይተ ጌታቸው ረዳ ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ገይሩ መሪፁ።


ፓርቲ ዲምክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ላዕለዎት ኣመራርሓን መስረትቲ ኣባላቱን ኣብ ዝተረኸብሉ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣካይዱ።


ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ከምዝበልዎ፤ እቲ ፓርቲ ንኩለመዳያዊ ተሳትፎን ተረባሕነትን ህዝቢ ትግራይ ብዝኸውን መልክዑ ብሓዱሽ ኣተሓሳስባ ዝተዋቐረ ምዃኑ ምግላፆም ፀብፃብ ኢቢሲ ይሕብር።


ፓርቲ ብልፅግና ወኪሎም ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ኣይተ መለስ ዓለም፤ ሓደሽቲ ፓርትታት ፖለቲካ ብምትሕብባር ምስርሖም ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ሓዱሽ ኣካይዳ ፖለቲካ መርኣያ እዩ ኢሎም።


ፓርቲ ስምረት እውን ንፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ተሳትፎ ህዝቢ ትግራይ ሓዱሽ ሓሳብ ሒዙ ዝመፀ ፓርቲ ስለዝኾነ ምስ ፓርቲ ብልፅግና ዘለዎ ኣፈላላይ ፖለቲካን ቅዋምን ከምዘለዎ ኮይኑ ሃገርና ንዝጀመረቶ ጉዕዞ ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ግና ዕዙዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።


እቲ ፓርቲ ንኣይተ ጌታቸው ረዳ ፕሬዚዳንት ከምኡ እውን ንነጋ ኣሰፋ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት፣ንሃፍቱ ኪሮስ ምክትል ፕሬዚዳንት ከምኡ እውን ንሰብለ ኣሰፋ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ብምዃን መሪፁ።


እቲ ፓርቲ መስራቲ ጉባኤኡ እንተካይድ ካብ ፕሬዚዳንትን ምክትል ፕሬዚዳንትን እቲ ፓርቲ ብተወሳኺ 7 ኣባላት ኮሚቴ ፈፀምቲ ጉዳይን 31 ኣባላት ቤት ምኽርን ምምራፁ ተገሊፁ።


እቲ ፓርቲ ኣቦ መንበርን ምክትል ኣቦ መንበርን ኮሚሽን ቁፅፅርን ኢንስፔክሽንን እውን መሪፁ እዩ።


ኣብቲ መስራቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ኣባላት እቲ ፓርቲ እውን፤ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ እቲ መንእሰይ ለውጢ ከምዝደሊ ምግላፆም ኣብቲ ፀብፃብ ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም