ኣብቲ ማክሮ ኢኮኖምን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ዝተረኸበ ዓወት ድምር ውፅኢት ሰለስተ ነገራት እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብቲ ማክሮ ኢኮኖምን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ዝተረኸበ ዓወት ድምር ውፅኢት ሰለስተ ነገራት እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 15/2018(ኢዜኣ) ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣፈፃፅማ 100 መዓልትታት ማክሮ ኢኮኖምን ዕቤት ኢኮኖምን ብዝተኣሳሰረ ዝተረኸበ ዓወት ድምር ውፅኢት ሰለስተ ቁልፊ ጉዳያት ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ግምገማ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ፈላሞት 100 መዓልትታት በጀት ዓመት 2018 ኣመልኪቶም ኣብ ግድብ ኮይሻ ምስ ሚኒስትራት ዘተ ገይሮም።
ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ከምዝበልዎ፤ ብምኽንያት ጂኦፖለቲካዊ ውጥረት፣ኢ-ተገማቲ ዲፕሎማሲ ታሪፍን ምቁርራፅ ሰንሰለት ቀረብን ብብርኪ ዓለም ምዝሕሓል ዕቤት ኢኮኖሚ ኢሉ እውን ዝተዳኸመ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዝረኣየሉ ኩነታት ኣብ ሃገርና ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ ምቕፃል ክኢልና ኢና ኢሎም።
ነዚ ዝነኣድ ውፅኢት ዘብቀዐና ድማ ድምር ውፅኢት ሰለሰተ ዋና ዋና ጉዳያት እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ክብሉ እውን ገሊፆም።
እቲ ፈላማይ ድሕሪ እቲ ለውጢ ለውጢ ኣረኣእያ (ፓራዳይም ሽፍት) ምምፃእ ምኽኣልና እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣደም ፋራህ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ዓቕሚ፣ትግሃትን ቆራፅነትን ምፍፃም እቲ ኣመራርሓ እዩ ኢሎም።
ከምኡ እውን እቲ ሳልሳይ ተሳትፎን ምትሕብባርን እቲ ህዝቢ፣ዓውዲ ውልቀን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ምዕባዩ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
መንግሥቲ እቲ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ዘልዕሎም ዝነበሩ ምቕናስ ምኽባር ናብራ፣ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ኣወሃህባ ኣገልግሎት ቅልጡፍን ውፅኢታውን ናይ ምግባር፣ምስ ሰላምን ፀጥታን ዝተኣሳሰሩ ፀገማት ምስ ህዝቢ ብምዃን ኣብ ከይዲ እናተቓለሉ ንክኸዱ ልዑል ምንቅስቓስ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።
ነዚ ስዒቡ እውን ዝጭበጡ ለውጥታት ምምዝጋቦም ብምሕባር፤ እቶም ዝተረፉ ስራሕቲ ኣብ ቀፃሊ ምስቲ ህዝብን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምዃን መንግሥቲ ንምፍታሕ እቲ ምንቅስቓስ ከምዘቐፅሎ ኣብቲ ግምገማ ከምዝተገለፀ ኣረዲኦም።