ግድብ ኮይሻ እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ከም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝበፅሐሉ ፕሮጀክት እዩ-ምክትል ቀዳምይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 14/2018(ኢዜኣ) ግድብ ኮይሻ እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ከም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ካብ ዝበፅሐሎም ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት እቲ ሓደ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ግምገማ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ፈላሞት 100 መዓልትታት በጀት ዓመት 2018 ኣመልኪቶም ኣብ ግድብ ኮይሻ ምስ ሚኒስትራት ዘተ ገይሮም።



ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ቅድሚ ዓመታት ህንፀት ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ እምነ ኩርናዕ ካብ ምንባር ዝሓለፈ ኣፈፃፅምኡ በቲ ዝድለ ብርኪ ከምዘይነበረ ሓቢሮም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዎ ብርኪ ህንፀት ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ልዑል ለውጢ ከምዘለዎ እውን ፀሪሖም።
ግድብ ኮይሻ ኤሌክትሪክ ካብ ምፍልፋል ብዝሓለፈ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ ስራሕቲ እውን ከምዘለውዎ ብምግላፅ፤ ሎጃት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ህንፀታት ምስላጥ ዘኽእሉ ጎቦታት ከምዘለውዎ ኣረዲኦም።
ስራሕ እቲ ህንፀት ብቕልጡፍ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ግድብ 1 ሽሕን 800 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘፈልፍል ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
ኮይሻ ፍልይ ዝበሉ ጎቦታት ዝርከብሉን እቲ ዝዓበየ ሩባ ኦሞ ዝፈሰሉን ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳምይ ሚኒስትር፤ እቲ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዘለዋ ፀጋ ተፈጥሮ እንተተጠቒማትሉ እቲ ዝድለ ለውጢ ምምፃእ ከምዝከኣል ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ግድብ ኮይሻ እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ከም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ዝበፅሐሎም ፕሮጀክትታት እቲ ሓደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኮይሻ፣ሃላላ ኬላን ፓርክ ጨበራ ጩርጩራን ምስቲ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ኤሌክትሪክ ተደሚሮም ንቱሪዝም ከዕብዩ ዝኽእሉ ፀጋታት ምዃኖም እውን ሓቢሮም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ህንፀት ግድብ ኮይሻ ንምቅልጣፍ ንዝሃብዎ ብሱል ኣመራርሓ እውን ኣመስጊኖም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም