ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣፍ ደገ ባሕሪ ሓዊሱ ካልኦት ስምብራታት ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ንምፅጋን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብትግሃት ከምዝሰርሕ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 14/2018(ኢዜኣ) ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣፍ ደገ ባሕሪ ሓዊሱ ካልኦት ስምብራታት ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ንምፅጋን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብትግሃት ከምዝሰርሕ ገሊፁ።
ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ፤ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያትን ኣጀንዳታት እቲ ፓርትን ብምዝታይ ኣንፈት ምቕማጡ ገሊፆም።
እቲ ፓርቲ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ናይ ምርግጋፅ ራኢ ሰኒቑ ናብ ተግባር ምእታዉ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንህዝቢ ቃል ዝኣተዎ ብውፅኢታውነት እናፈፀመ እዩ ኢሎም።
ዝተረፉ ስምብራታት ኢትዮጵያ ንምፅጋን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብትግሃት ከምዝሰርሕ ብምሕባር፤ ብሄራዊ ረብሓ ማእኸል ዝገበሩ ዝተማልአ ልኣላዊነት ንምርግጋፅ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓላፍነት ከምዝዋፃእ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ልዑል ውፅኢት ከምዝመፀ ዝገለፁ እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 9 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕቤት ምምዝጋቡ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
መዋቕራዊ ስግግር ኢኮኖሚ እናተረጋገፀ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ በዚ ድማ እቲ ኢኮኖሚ ካብ ግብርና ናብ ኢንዱስትሪን ዘበናዊ ኣገልግሎትን እናተሰጋገረ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኣብ ምእካብ ኣታዊ፣ንግዲ ወፃእን ተካኢ ፍርያትን ዝነኣድ ውፅኢት ምምዝጋቡ ብምፅራሕ፤ ሓፈሻዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ቅልጡፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓቛፊ፣ፅሬት ዘለዎን መነባብሮ እቲ ህዝቢ ብጭቡጥ እናመሓየሸን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅን ሰብኣዊ ደገፍ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምሽፋንን ብዝተጀመሩ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት እናተመዝገበ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ሰብ ተኮር ስራሕቲ እውን ብርክት ዝበሉ ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ተረባሕቲ ምግባር ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ተመፅዋታይነት ናይ ምቕራፍ፣ሰብኣዊ ደገፍ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምምላእ እኹል ፈንድ ናይ ምሓዝ ከምኡ እውን ብሄራዊ መሐለውታ መኽዝን ብባዕላዊ ዓቕሚ ናይ ምፍራይ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።
ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ ጉዳያት ሰላምን ፖለቲካን ምግምጋሙ ዝገለፁ ኣይተ ኣደም ፋራህ፤ ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር እጃሙ ንምውፃእ ቆራፅ ምዃኑ ምርግጋፁ ፀሪሖም።
መፃኢ ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊ፣ተኣማኒ፣ግልፅን ኣሳታፍን ብዝኾነ መልክዑ ንክካየድ እጃሙ ከምዝዋፃእ እውን ሓቢሮም።
ዝተወሰነ ፀገም ሰላምን ፀጥታን ዝነበሮም ከባብታት ንምርግጋዕ መንግስትን ህዝብን ብሓባር ብዝሰርሕዎ ስራሕ ጭቡጥ ለውጢ መፂኡ እዩ ኢሎም።
ዝኾነ ፖለቲካዊ ሕቶ ዘለዎ ኣካል ሕትኡ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዘኽእል ምህዳር ከምዝተፈጠረ ብምፅራሕ፤ እቲ ፓርቲን ዝመርሖ መንግስትን ኩሉ ግዜ በሮም ንሰላም ክፍቲ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ፤ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ብዘላቕነት ንምፍታሕን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ቅልጡፍ ንምግባርን ዝተቐመጠ ኣንፈት ናብ ዝጭበጥ ተግባር ከምዝኣተኣተወ ተገምጊሙ እዩ ኢሎም።
ስለ ዝኾነ እውን ስራሕቲ ምስፋሕ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብን ዲጂትላይዜሽንን እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ክሳብ ሕዚ 16 ማእኸላት ተሃኒፆም ኣገልግሎት እናሃቡ ምዃኖም ገሊፆም።
ብማእኸላት መሶብ ዕግበት እቲ ህዝቢ ናብ 95 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ብምሕባር፤ ማእኸላት መሶብ ክሳብ 30 ሰነ 2018 ዓ/ም 100 ንምብፃሕ እቲ ኮሚቴ ኣንፈት ከምዘቐመጠ ኣረጋጊፆም።
ፓርቲ ብልፅግና ጠንካራ መንግስትን ሃገርን ንምህናፅ ዝሓዞ ሽቶ ንምዕዋት ዓቕሚ ኣመራሓን ኣባላቱን ዘጠናኽሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዘሳለጠ እውን ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ኣመራርሓን ኣባላቱን ብዝተውሃቦም ልኡኽቶ ልክዕ በቢብርኩ ናይ ምግምጋም ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፤ ብመሰረት እቲ ምዘና ልዑል ኣፈፃፅማ ንዘመዝገቡ ኣፍልጦ ምሃቡ ተዛሪቦም።
ብካሊእ መዳይ ኣብ ልዕሊ ዝተውሃቦም ሃገራውን ውድባውን ልኡኽቶ ብኣግባቡ ዘይተዋፅኡ ኣመራርሓ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ከምዝተወሰደ ዝገለፁ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ፤ እቲ ፓርቲ ህዝብን ሃገርን ተረባሒ ንምግባር ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም