ኢትዮጵያ ክትብልፅግ እያ ዝግበኣ ስፍራ እውን ክትሕዝ እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ክትብልፅግ እያ ዝግበኣ ስፍራ እውን ክትሕዝ እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 14/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ጉዕዞ ብልፅግናኣ ብምዕዋት ዝግበኣ ስፍራ ክትሕዝ እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ግምገማ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ፈላሞት 100 መዓልትታት በጀት ዓመት 2018 ኣመልኪቶም ኣብ ግድብ ኮይሻ ምስ ሚኒስትራት ዘተ ገይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ኣብቶም ዓመታት ለውጢ ትኹረት ካብ ዝተውሃቦም ስራሕቲ እቲ ሓደ ኢትዮጵያን ፀጋታታን ብኣግባቡ ምፍላጥ እዩ ኢሎም።
ብቕዓትን ዓቕምን ኢትዮጵያ ብኣግባቡ ምርዳእ ሃገር ንምስራሕ ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ከይዲ ብርክት ዝበሉ ዓቕሚ ዝገልፁ ስራሕቲ ምስላጦም ሓቢሮም።
ፓርክ ጨበራ ጩርጩራን ኮይሻን ዓቕሚ ሃገር ዝገለፁን ውፅኢት ዝተረኸበሎምን ስራሕቲ ምዃኖም ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ሃገሩ ዝፈልጥን ብሃገሩ ክብሪ ዝስመዖን ሰብ ተጊሁ ንምስራሕን ሕድ ሕድ መዓልቲ ንምልዋጥ ዕድል ገይሩ ንክወስድን ዕድል ከምዝፈጥር ተዛሪቦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝረኣናዮም ፈተናታትን መከራታትን ኣጠንኪሮምናን ብዝበለፀ ፅንዓት ንክንሰርሕን ውፅኢት እውን ክንረኽበሉ ገይሮምና እዮም ክብሉ እውን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ከምትብልፅግን ዝግበኣ ስፍራ ከምትሕዝን ምንም ጥርጥር የብሉን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ራኢ ንምዕዋት ፃዕርን ድኻምን ሕድ ሕድ ዜጋ ከምዝሓትት ሓቢሮም።
ተጊህና እንተሰሪሕና ኣብ ደቅና ውፅኢቱ ንምርኣይ ግዚኡ ርሑቕ ኣይኮነን ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ፈላሞት 3 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ኣብ ኩሎም ዓውድታት ልዑል ውፅኢት ምምዝጋቡ ብምግላፅ፤ ኣብ ሓደ ሓደ ዓውድታት ዝተረኸበ ውፅኢት ካብቲ ትፅቢት ዝተገበረ ንላዕሊ እዩ ኢሎም።
እቶም ዝተረኸቡ ውፅኢታት ኣብ ቀፃሊ ርብዒ ዓመት ብምቕፃል ውፅኢታት ምዕባይ እንተተኻኢሉ ሽግሽግ ሓይሊ ኢትዮጵያ ዝቕይሩ መሰረታዊ ጉዳያት ዝሳለጥሉ ዓመት ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
እቶም ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንምፅናዕ ብዝበለፀ ትግሃትን ዓቕምን ምስራሕ ከምዝግባእ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣተሓሳሲቦም።