መበል 11 ፎረም ጣና ኢትዮጵያ ንሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ዘለዋ ኣስተዋፅኦ እተፅንዐሉ እዩ-ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 14/2018(ኢዜኣ) መበል 11 ፎረም ጣና ኢትዮጵያ ንሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ዘለዋ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ እተፅንዐሉ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ገሊፆም።
ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ዝፀንሕ ፎረም ጣና ኣብ ከተማ ባህር ዳር እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ፎረም፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፣ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ  ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ሃገራት ኣፍሪካ፣ዓለም ለኸ፣ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ተረኺቦም።
እቲ ፎረም፤ “ኣፍሪካ ኣብ ተለዋዋጢ ስርዓት ዓለም” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ዝዝቲ እዩ።
እቲ ፎረም ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝቕፅል እውን ተገሊፁ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ፎረም ጣና ኣብ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ብምዝታይ መፍትሒ ዘመላኽቱ ምኽረ ሓሳባት ዝቐርብሉ ኣህጉራዊ መድረኽ እዩ።
እቲ ፎረም፤ ኣካላት መንግሥቲ፣ሚኒስትራት፣ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መውፃእቲ ፖሊሲ፣ ተመራመርቲ፣ ሙሁራንን መዳርግቲ ኣካላትን ዝሳተፍሉ እዩ ኢሎም።
ኣፍሪካ ኣብ ተለዋዋጢ ኩነታት ዓለም ዝህልዋ እጃም ከምዝድህስስ እውን ገሊፆም።
ኣፍሪካ ውጥረት ኣብ ዝተመልአሉ ዓለም ለኸ ኩነታት ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ከምኡ እውን ካልኦት ኣጀንዳታት ዝህልዋ መፍትሕታት ኣብቲ መድረኽ ከምተብራህርህ ኣረዲኦም።
ትኹረት ፎረም ጣና ኣብ ኣፍሪካዊ መፍትሕታት እዩ ዝበሉ እቶም ወሃቢ ቃል፤ ብኣፍሪካውያን ዝመፁ መፍትሒ ሓሳባት ሰላምን ድሕንነትን ዝንሸራሸርሉ መድረኽ እዩ ኢሎም።
ንመበል 11 ግዜ ኣብ ባህር ዳርን ኣዲስ ኣበባን ዝካየድ ፎረም ጣና፤ ኢትዮጵያ ንሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ዘለዋ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ እተፅንዐሉ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም