ኣብቲ ሓዱሽ ስርዓት ዓለም መፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ዝውስን ዝሓሸ ኣንፈት ክንትልም ይግበኣና-ኣይተ ኣረጋ ከበደ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብቲ ሓዱሽ ስርዓት ዓለም መፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ዝውስን ዝሓሸ ኣንፈት ክንትልም ይግበኣና-ኣይተ ኣረጋ ከበደ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 14/2018(ኢዜኣ) ኣብቲ ሓዱሽ ስርዓት ዓለም መፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ዝውስን ዝሓሸ ኣንፈት ክንትልም ይግበኣና ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ገሊፆም።
ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ዝፀንሕ ፎረም ጣና ኣብ ከተማ ባህር ዳር እመናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ፎረም፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፣ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ሃገራት ኣፍሪካ፣ዓለም ለኸ፣ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ተረኺቦም።
እቲ ፎረም፤ “ኣፍሪካ ኣብ ተለዋዋጢ ስርዓት ዓለም” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ጉዳያት ድሕንነት ኣፍሪካ ዝዝቲ እዩ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ፎረም ንዓለም ለኸ ፈተናታት ኣህጉራዊ ምክረ ሓሳባት ከም መፍትሒ ምምልኻት ዘኽእል እዩ።
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዘተኣማምን፣ዝበልፀገን ዝተረጋግዐን ምህዳር ፖለቲካል ኢኮኖሚ ንምፍጣር ፃዕሪ ክገብር ይግባእ ኢሎም።
ኣብቲ ሓዱሽ ስርዓት ዓለም መፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ዝውስን ዝሓሸ ኣንፈት ክንትልም ይግበኣና ክብሉ እውን ሓቢሮም።
መድረኽ ፎረም ጣና ሃፍትታት ተፈጥሮ ኣፍሪካ ንልምዓት ኢንዱስትሪ፣ትራንስፎርሜሽን ግብርናን ቴክኖሎጂን ኣፍሪካውያን ምጥቃም ኣብ ዝከኣለሎም መንገድታት ናይ ባዕሉ እጃም ከምዝዋፃእ ገሊፆም።
እቲ ፎረም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ንክካየድ ልዑል ምድላው ክገብሩ ንዝፀንሑ ትካላት ፌዴራል፣ክልልን ኣህጉርን ምስጋና ኣቕሪቦም።