ፎረም ጣና ኣብ ከተማ ባህር ዳር ምክያድ ጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ፎረም ጣና ኣብ ከተማ ባህር ዳር ምክያድ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 14/2018(ኢዜኣ) ኣፍሪካውያን መራሕትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ብምዝታይ ዘላቒ መፍትሕታት ንምንዳይ ዝካየድ መበል 11 ፎረም ጣና ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብቲ ሎሚ ዝተጀመረ ፎረም ንምስታፍ ልኡኻት ዝተፈላለያ ሃገራት ትማሊ ባህር ዳር ምእታዎም ዝፍለጥ እዩ።
ብተወሳኺ እውን እቲ ፎረም ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ከምዝቕፅል ተገሊፁ።