ኣፈፃፅማ ትልሚ 100 መዓልትታት ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኩነታት ኢኮኖሚ ዓለም፣ኣፈፃፅማ ፈላማይ ርብዒ ዓመት ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኩነታት ዕብየትን ሓፈሻዊ ትዕዝትን ዝሓቖፈ ቐረብ ዘማልአ እዩ። - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፈፃፅማ ትልሚ 100 መዓልትታት ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኩነታት ኢኮኖሚ ዓለም፣ኣፈፃፅማ ፈላማይ ርብዒ ዓመት ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኩነታት ዕብየትን ሓፈሻዊ ትዕዝትን ዝሓቖፈ ቐረብ ዘማልአ እዩ።
ኣፈፃፅማ ትልሚ 100 መዓልትታት ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኩነታት ኢኮኖሚ ዓለም፣ኣፈፃፅማ ፈላማይ ርብዒ ዓመት ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኩነታት ዕብየትን ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ቐረብን ዘማልአ እዩ።
ብዓውዲ ልምዓት ኢኮኖሚ ዓለም እንትርአ ኢትዮጵያ ፍሉይ ጥንካረን ፍጥነት ዕብየትን ኣርእያ እያ። ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብጥንካረኡ ብምቕፃል 9.2 ሚኢታዊ ዓመታዊ ዕብየት GDP ኣርእዩ እዩ።እዚ ድማ 7.3 ሚኢታዊ ብዝኾነ ጥንኩር ውፅኢት ሕርሻ ምስፍሕፋሕ፣13 ሚኢታዊ ዕብየት ኢንደስትሪ ኢሉ እውን 7.5 ሚኢታዊ ዘፈር አገልግሎት ዕብየት ዝተገለፀ ነይሩ ። ተዋፅኦ GDP ሃገርና ብበዝሒ መሰረት እናሓዘ ምኻዱ ዘርኢ እንትኸውን እዚ ድማ ብግብርና 31.3 ሚኢታዊ፣ ብኢንዱስትሪ 30.2 ሚኢታዊን ብዘፈር አገልግሎት 39.6 ሚኢታዊን አስተዋፅኦ ዝተርኣየሉ እዩ። እናተሳለጡ ብዘለው ስራሕቲ ለውጢ፣ብመንግስቲ እናተወገኑ ብዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓትን ሓደሽቲ ኢንቨስትመንትታትን ብምድጋፍ ኣብ 2018 ዓ/ም ኢኮኖሚና ብ10.2 ሚኢታዊ ክዓቢ ትፅቢት ይግበር።
ከም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝበሉ ፕሮጀክትታት ምዝዛም ኢሉ እውን ከም ስራሕቲ ልምዓት መፍረዪ ማዳበሪያን ጋዝ ተፈጥሮን ዝበሉ ጅማሮታት እቲ ዕቤት ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ከምዘነቓቕሑ ትፅቢት ይግበር።
ትንበያ ዕቤት እቲ ዓውዲ እውን ጠንካራ ውፅኢት ከምዝርከብ የመላኽት። ግብርና ብ7.8 ሚኢታዊ፣ ብሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ማኑፋክቹሪንግን ዝተመሓየሹ እታዎታትን ዝተጠናኸረ ኢንዱስትሪ 13.2 ሚኢታዊ ከምዝዓብዩ ዝተተንበየ እትኸውን መዓድን ን2018 ዝተቐመጠሉ ሽቶ ከምዝበልፅ ትፅቢት ይግበር።
ብተወሳኺ እውን ዕቤት ዓውዲ ኣገልግሎት ብዘርእይዎ ምንቅስቓስ ንግዲ፣ኣገልግሎት ትራንስፖርት፣ዋሕዚ ቱሪዝምን ምስፍሕፋሕ ዲጂታል ኢኮኖምን ብምጥቃም 9.3 ሚኢታዊ ከምዝዓቢ ይሕሰብ። ንግዲ ወፃኢ 2.5 ቢሊዮን ዶላር ዝበፅሐ እንትኸውን እዚ ድማ እቲ ትልምን ኣፈፃፅማ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕትን ዝበለፀ ኮይኑ ተራእዩ እዩ።
ዓውዲ ፋይናንስ ስራሕቲ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ብምድጋፍ ቁልፊ እጃሙ እናተዋፅአ እንትኸውን ኣብቲ ፈላማይ ርብዒ ዓመት 113 ሚኢታዊ ዝኾነ ምስ ናይ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ወቕቲ ወሰኽ ዘለዎ ቀረብ ልቓሕ ኣቕሪቡ እዩ።
ኣገልግሎት ዲጂታል ፋይናንስ እውን እናተጠናኸረ ምኻዱ ዝቐፀለ እንትኸውን ኣብ 3 ኣዋርሕ ጥራሕ 6.5 ትሪሊዮን ብር ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ ብርኪ በፂሑ እዩ።
ሓፈሻቂ ኣፈፃፅምኡ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝሓሸ ውፅኢት ዘርኢ እንትኸውን እዚ ድማ ኢትዮጵያ ናብ መዋቕራዊ ስግግር ኢኮኖሚ ኢሉ እውን ዘላቕን ሓቛፍን ዕቤት ኢኮኖሚ ትገብሮ ቅልጡፍ ጉዕዞ ዘረጋግፅ እዩ።