ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ዓቕሚ ፈጠራ መናእሰይ እታ ኣህጉር ምጥንኻር ይግባእ-ምክትል ኣቦ መንበር ሰልማ ማሊካ ሃዳዲ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ዓቕሚ ፈጠራ መናእሰይ እታ ኣህጉር ምጥንኻር ይግባእ-ምክትል ኣቦ መንበር ሰልማ ማሊካ ሃዳዲ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 12/2018(ኢዜኣ) ዝበልፀገት ኣፍሪካ ንምህናፅ ቴክኖሎጅን ፈጠራን ምስ ኣጀንዳ 2063 ብምውዳድ ዓቕሚ ፈጠራ መናእሰይ ምጥንኻር ከምዝግባእ ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሰልማ ማሊካ ሃዳዲ ገሊፀን።
ፌስቲቫል ኢኖቬሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዋና ከተማ እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።
እቲ ፌስቲቫል “ንመናእሰይ ሕብረት ኣፍሪካ መሪሕ ኣህጉራዊ ኢኖቬሽን ናይ ምግባር ስራሕ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝካየድ ዘሎ እንትኸውን፤ ኢኖቬተራት፣መውፃእቲ ፖሊሲ፣መራሕቲ ዓውዲ ውልቀን ተወከልቲ መናእሰይን ይሳተፉ ኣለዉ።
ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሰልማ ማሊካ ሃዳዲ ኣብዚ እዋን፤ ፈጠራን ቴክኖሎጅን ምስ ኣጀንዳ 2063 ብምውዳድ ዝበልፀገት ኣፍሪካ ንምህናፅ ምትጋህ ይግባእ ኢለን።
ኣፍሪካ ንምልዋጥን ንምዕባይን ኢሉ እውን ብብርኪ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪ ንምዃን ፈጠራ ብኣግባቡ ምጥቃም ከምዝግባእ እውን ተዛሪበን።
ቀንዲ መንቀሳቐስቲ ክእለት ፈጠራ፣ዲጂታል ለውጥን ፈጠራ ስራሕን እታ ኣህጉር መናእሰይ ምዃኖም ሓቢረን።
ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዳይሬክተር ደቂ ኣንስትዮ፣ ፆታን መናእሰይን ፕሩደንስ ንግዌንያ ብግደአን፤ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ምህዳር ፈጠራ ኣፍሪካ መሰረት ከንብሩ ኣለዎም ኢለን።
ኣፍሪካ ብዓውዲ ፈጠራ ከተዐውቶ ትደልዮ ለውጢ ጋህዲ ንምግባር ዓቕሚ ፈጠራ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ምዕባይ ከምዝግባእ እውን ገሊፀን።
ተሳታፊት እቲ ፌስቲቫል መንእሰይ ትመር ብርሃኔ፤ ኣፍሪካውያን ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጅን ፈጠራን ዘለና ፍልጠት በቢእዋኑ ክነዕብዮ ኣለና ክትብል ተዛሪባ።
መንእሰይ ኣሜን ቢኒያም ብግደኣ፤ እታ እንደልያ ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ፈጠራን ቴክኖሎጅን ምዕባይ ግቡእ ከምዝኾነ ብምሕባር ነቲ ዓውዲ ዝግበር ደገፍ ብምጥንኻር እቲ ዝተትሓዘ ሽቶ ዕዉት ምግባር ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ ኢላ።
እቲ ፌስቲቫል ኢኖቬሽን ክሳብ 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ከምዝፀንሕ ተገሊፁ።