እቲ ሰራዊት ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ሰላም ናይ ምፅናዕ ስርሑ ኣጠናኺሩ እናቐፀለሉ እዩ-ሜጀር ጄኔራል ኣድማሱ ኣለሙ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ሰራዊት ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ሰላም ናይ ምፅናዕ ስርሑ ኣጠናኺሩ እናቐፀለሉ እዩ-ሜጀር ጄኔራል ኣድማሱ ኣለሙ
ወልዲያ/ጥቅምቲ 12/2018 (ኢዜኣ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ሰላም ናይ ምፅናዕ ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለሉ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዋና ኣዛዚ እዚ 11 ሜጀር ጄኔራል ኣድማሱ ኣለሙ ገሊፆም።
“ሰላም ንኹሉ፣ኹሉ ንሰላም”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ወልድያ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።
ኣብቲ ዘተ፤ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻልን ምምሕዳር ከተማ ወልዲያን ከምኡ እውን ኣባላት ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ተረኺቦም።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ዋና ኣዛዚ እዚ 11 ሜጀር ጄኔራል ኣድማሱ ኣለሙ ኣብቲ ዘተ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ካብቲ ከባቢ ናይ ምፅራይ ስራሕ ብውፅኢታውነት እናቐፀለሉ እዩ።
እቲ ሰራዊት ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ሰላም ናይ ምፅናዕ ስርሑ ኣጠናኺሩ ምቕፃሉ ብምግላፅ፤ ነዚ ዕዉትነት ድማ ኩሉ እጃሙ ንክዋፃእ ሓቢሮም።
ምክትል ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምብራቕ ሜጀር ጄኔራል ተስፋዬ ኣያሌው ብግደኦም፤ ፀላእቲ ብናይ ባዕልና ወገናት ኣጀንድኦም ንምፍፃም ዝገብርዎ ፃዕሪ ከምዘይዕወት ተዛሪቦም።
ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ወልዲያ ዱባለ ኣብሬ፤ ታሪኻዊ ፀላእትናን ተለኣኣኽቲ ባንዳታትን ብምውዳድ ሰላም እቲ ከባቢ ንምፍራስ ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ብጀግና ሰራዊት ምክልኻልን ዝተዋደደ ተሳትፎ እቲ ሕብረተሰብን እናተመከተ እዩ ኢሎም።
ሰላም ብምፅናዕ ዕቤትን ብልፅግናን ንምርግጋፅ ሙሁራንን ካሊእ ክፋል ሕብረተሰብን ዝገብርዎ ደገፍ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከምዘለዎም እውን ኣረዲኦም።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ኣበበ ግርማ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ መማህራን እቲ ዩኒቨርሲቲ ፀገም እቲ ከባቢ ንምፍታሕ ብፍልጠትን ብምርምርን ዝተደገፈ መፍትሒ ሓሳብ ክነመፅእ ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም።
ተሳተፍቲ እቲ ዘተ፤ ንዘላቒ ሰላም እቲ ከባቢ እጃሞም ከምዝዋፅኡ ሓቢሮም።