ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘለወን ስትራቴጂካዊ ምሕዝት ንምጥንኻር ዝዓለመ ክልቲኣዊ ዘተ ገይረን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘለወን ስትራቴጂካዊ ምሕዝት ንምጥንኻር ዝዓለመ ክልቲኣዊ ዘተ ገይረን
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 11/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘለወን ስትራቴጂካዊ ምሕዝት ንምጥንኻር ዝዓለመ ክልቲኣዊ ዘተ ገይረን።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሞስኮ ዘትዮም።
ክልቲኦም ሚኒስትራት ናይ ነዊሕ እዋንን ስትራቴጂካውን ምሕዝነት ኢትዮጵያን ሩሲያን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ብዕምቆት ዘትዮም።
ሓባራዊ ትኹረታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝኾኑ ዞባውን ዓለም ለኻውን ጉዳያት ሓሳብ ምልውዋጦም እውን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ይሕብር።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ሩሲያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ሞስኮ ምእታዎም ዝፍለጥ እዩ።