ባሌ ነቲ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን እውን ዝኣክል ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘለዎ እዩ -ኣባ ዱላ ገመዳ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 11/2018 (ኢዜኣ) ባሌ ነቲ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዝኣክል ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘለዎ እዩ ክብሉ ኣባ ዱላ ገመዳ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ወግዒ ሶፍ ኡመር ብዝብል ርእሲ ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓታት ዘቲዮም።



ኣባ ዱላ ገመዳ ኣብቲ ዘተ፤ ባሌ ነቲ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዝኣክል ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ከምዚ ዝበለ ሃፍቲ ሒዝካ ማሕበረሰብ  መሰረተ ልምዓት ዘይምህላዉን ኣብ ኣፀጋሚ ድኽነት ክነብር ምግዳዱን ኣዝዩ ዘጣሕስ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ዞባ ባሌ ዝነብሩ ብዙሓት መናእሰይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ስደት ብምኻድ ንልዑል ጉድኣት ከምዝቃልዑ ፀሪሖም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተጀመረ ስራሕ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ መንገዲ ሰላም ብምጥጣሕ ሙሉእ ዓቕምና ኣብ ጭቡጥ ስራሕቲ ልምዓት ምውዓል ከምዝግባእ እውን ኣመልኪቶም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም