ኣብ ባሌ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ንመላእ ሃገር ልዑል ግደ ዘለዎ እዩ - ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/11/ 2018 (ኢዜኣ) ኣብ ባሌ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ንመላእ ሃገር  ልዑል ግደ ዘለዎ እዩ ክብሉ ዋና ፀሓፊ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ወግዒ ሶፍ ዑመር ብዝብል ርእሲ ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ምስ ዘለዉን ኣመራርሓታት ተዛቲዮም፡፡



ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ ባሌ ቅድሚ ሕዚ ይፈልጣ እየ ነገር ግን ሎሚ ዝረአኹዎ ነገር ዝነበራን ዘለዋን ዓሚቕ ሃፍቲ ዝገልፁ ስራሕቲ እዮም ኢሎም። 
ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓ ዝተገበረ ዑደት ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተለመደን ዝድነቕን ሓሳብ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። 


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም