መንግሥቲ ሰላም ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ምስ ስራሕቲ ልምዓት ብምትእስሳር ብልፅግና ንምርግጋፅ ምስርሑ ክቕፅል እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 11 /2018 (ኢዜኣ) መንግሥቲ ሰላም ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ምስ ስራሕቲ ልምዓት ብምትእስሳር ብልፅግና ናይ ምርግጋፅ ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ‘ወግዒ ሶፍ ኡመር’ ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓ ዘትዮም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ሰላም ንልምዓት መሰረት ከምዝኾነ ብምእማን ሰላም ንክዓስል እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ሰላም ክሳብ ዝመፅእ ሱቕ ኢልና ኣይንቕመጥን፣ሰላም ክሳብ ዝመፅእ ክነልምዕ ኢና፣ሕርያና ሰላም እናፅናዕኻን እናልማዕኻን ምቕፃል እዩ ኢሎም።
ብሓደ ኢድና ሰላም እናረጋገፅና በቲ ካሊእ ኢድና ድማ ምልማዕ እንተዘይክኢልና እቲ እንምነዮ ሰላም ምምፃእን ምፅናዕን ኣይንኽእልን ክብሉ እውን ተዛሪቦም።



ሰላም ካብ ልምዓት ወፃኢ ኣይፀንዕን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኩሉ ዜጋ ንልምዓት ሃገሩ ንክተሓባበር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብዚ መዳይ በቢ ከባቢኡ ዘሎ ፀጋ ኣውፂእና እንትንጥቀምን ውፅኢት ስራሕና እንትድመርን ኣዝያ ዝፀበቐትን ዝበልፀገትን ኢትዮጵያ ምርኣይ ንኽእል ኢና ኢሎም እቶም ቀማይ ሚኒስትር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም