ኢትዮጵያ ብቅብብል ወለዶ እናፀንዐት ክትቕፅል እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 10/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብዘይ ምጥርጣር ብቅብብል ወለዶ ፀኒዓ ክትቕፅል እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ‘ወግዒ ሶፍ ኡመር’ ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓ ዘትዮም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያውያን እዚ ኹሉ ፀጋን ሃፍትን ሒዝና ምልማንና ኣዝዩ ዘናስሕን ክንቕይሮ ዝግባእን እዩ።
ኢትዮጵያ ሕዚ ዘላትሉ ታሪኽ ቀይራ ንክትብልፅግ ኩሉ እጃሙ ክዋፃእ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ብዘይ ምጥርጣር ወለዶ ተቐባቢሉ ዘፅንዓ ሃገር ክትኸውን እያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ጉዳያት መልክዕ እናሓዙ ክመፁ እዮም ኢሎም።
ብልፅግና ንምርግጋፅ ኩሉ በቢከባቢኡ ዘሎ ሃፍቲ ከልምዕ ከምዘለዎ እውን ፀሪሖም።
እቲ ዝጠቕመና ብምድምማፅ፣ ብምክብባር፣ ብምትሕግጋዝን ተኻፊልካ ብሓባር ብምንባርን እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ብመንፈስ ምትሕብባር እንተሰሪሕና እቲ እንምነዮ ሰላምን ብልፅግናን ምምፃእ ንኽእል ኢና ኢሎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም