ዓብይ ፀጋ ዝተውሃቦ ከባቢ ሶፍ ዑመርን ባሌን ዕድል ምልማዕ ከይረኸበ ምፅንሑ ዘናስሕ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 10/2018 (ኢዜኣ) ተፈጥሮ ኣብዚሑ በረኸት ዝሃቦ ከባቢ ጎቦታት ባሌን  ሶፍ ዑመርን በቲ ዝድለ መጠን ከይለምዐ ምፅንሑ ከምዘጠዓሶም ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግሥቲ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓ ኣብ  ሶፍ ዑመር ዘትዮም።



ኣማኻሪ ማክሮ ኢኮኖሚ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ግርማ ብሩ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ክልቲኦም ባሌታት ኣብ ሓደ ኮይኖም 3 ነጥቢ 9 ስፍሓት መሬት ኢትዮጵያ ኣለዎም።
እዚ ዝኣክል ክፋል እታ ሃገር ካብ ልምዓት ተነፂሉ ምንቅስቓስ ልምዓት ዘይነበረሉ እዋን ክሓስብ ከለኹ ይሓዝን ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኢንሼቲቭ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን ብመንግሥቲ ክልል ኦሮሚያን ዝተሰርሑ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ልዕሊ ዝገመትኩዎ ዝተባብዑ እዮም፤ ንኣብነት ድማ ኣብ ክልቲኦም ባሌታት 1 ሚልዮን ሄክታር መሬት ምሕራሱ ዓብይ ዓወት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ቱሪዝም እውን ተሓቢኡ ዝነበረ ፀጋ ዘጣዕስ እዩ ዝበሉ እቶም ኣማኻሪ፤ ኣብ ክልቲኦም ዞባታት ልዕሊ 360 ሽሕ ሄክታር መሬት ንእንሰሳ ዘገዳም ምምዳቡ ዓብይ ኣወንታዊ ስራሕ ምዃኑ ፀሪሖም።



ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ ብግደኦም፤ ኣብ ጎኒ ሶፍ ዑመር ኮይነ ንሶፍ ዑመር ናይ ምርኣይ ድሌት ኣይነበረንን፤ እንተዝደሊ እውን መሰረተ ልምዓት ኣይተማልአሉን ኔሩ ኢሎም።
ሕዚ ድሕሪ 13 ዓመታት ናብቲ ስፍራ ብምምፃእ ሶፍ ዑመር መልክዓ ምድሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪኽ እውን ምዃኑ ንምርኣይ ብምብቀዐይ ደስ ኢሉኒ ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ ባሌን ሶፍ ዑመርን ዘሎ ታሪኽን ዓቕምን ምጥቃም ዘኽእል ኣረኣእያ ቅድሚ ሕዚ ዘይምንባሩ ግና የጣዕስ እዩ፤ ብርግፅ ሕዚ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን ልምዓታትናን መስሕባት ቱሪዝምናን ሰላምና እነረጋግፀሎም፣ሰላም ብምርግጋፅና እውን ካልኦት ተወሰኽቲ ኣጋጣምታት እንሃንፀሎም ንክኾኑ ኩላትና ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ገሊፆም።



ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ብግደአን፤ ናብቲ ከባቢ ብምምፅአን ብሓደ ገፅ ነስሓ፣ብሓደ ገፅ ድማ ተስፋ፤ ንምንታይ ድኻታት ኮይንና? መሪፅና ዲና? ዝብል ነስሓ ዘለዎ ሕቶ ከልዕል ገይሩኒ እዩ ኢለን።
ኣብ ባሌ ሃገርን ህዝብን ፈሊጥካ ብጥበብ ናይ ምምራሕ ትምህርቲ ከምዝወሰዳ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ኣበየናይ ቦታ ታይ ዓይነት ሃፍቲ ኣለዋ? እንታይ ሓድጊ ኣለዋ? ኢሉ ፈሊጡ ኣመራርሓ ሂቡ ብቐረባ ተኸታቲሉ ምምራሕ ተማሂረ እየ ክብላ እውን ገሊፀን። 
ብሓፈሻ ፀጋ ፈሊጥካ ምምራሕን ኣብ ለውጢ ባህሊ ፖለቲካ ዝስራሕ ዘሎ ተግባር ውፅኢት ስራሕ ምዃኑን ካብ ናይ ባሌን ሶፍ ዑመርን ፃንሒተን ከምዝተረድኣ ተዛሪበን።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም