ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ጠንኪሩ ክሰርሕ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ጠንኪሩ ክሰርሕ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 10/2018(ኢዜኣ) ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ትግሃት፣ልፍዓትን ድኻምን ኩሉ ኢትዮጵያ ከምዝሓትት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ‘ወግዒ ሶፍ ኡመር’ ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓ ዘትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ሃገር ብሓደ ወለዶ ኣይስራሕን ሓደ ትውልዲ ጀሚሩ ዝውድኦ ጉዳይ ኣይኮነን ኢሎም።
ኣብ ዝኾነ ዓለም ዘሎ ሃገር ዝስራሕ ብቅብብል ወለዶ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ወለዶታት ናይ ትማሊ መንነቶም፣ሎሚ ምህላዎምን ሓባራዊ ውፅኢት ቀፃሊ እዋንን እዮም ክብሉ ሓቢሮም።
ዝተማልአ መንነት ወለዶ ብኣግባቡ ምርዳእ ሃገር ናይ ምህናፅ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ከምዘስፍሕ እውን ገሊፆም።
ኣብ ውሽጢ እዚ ቅብብል ወለዶ እያ ሃገር ትህንፅ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኩሉ ኣብ ዝህልወሉ ዘበን ንሃገሩ ሰናይ ካብ ምምናይ ብዝሓለፈ ክፅዕር፣ ክደክምን ክሰርሕን ከምዘለዎ ፀሪሖም።
ብዘይ ድኻምን ፃዕርን ሰላምን ብልፅግናን ኣይመፅእን፤ ፍሬም ክረአ ኣይኽእልን ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።
ኩሉ ኢትዮጵያዊ እንሓልሞ ብልፅግና ንምምፃእ ብዝለዓለ ትግሃት ክሰርሕ ይግባእ ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም።